ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሰነ፣ 2017(ኤፍ ቢ ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸብሉ መበል ሻድሻይ፣ ራብዓይ ዓመት ዘበን ስራሕ፣ መበል 42 ስሩዕ ጉባኤኡ ኣሳሊጡ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብቲ ጉባኤ ዝተረኸቡ እንትኾኑ፥ ኣባላት እቲ ባይቶ በጀት መንግስቲ ፌዴራል ዓመተ 2018ንን ሓፈሻዊ እዋናዊ ኩነታት እዛ ሃገርን ብዝምልከት ዘልዓልዎም ሕቶታትን ዝተውሃቡ ርእይቶታትን ብዝምልከት ምላሽ ሂቦም።
በጀት ዓመት 2018፥ ተግባራዊ ንዝግበር ዘሎ መመሓየሺን ፊሲካል ፖሊሲን ማክሮ ኢኮኖሚ ተሓሳቢ ብምግባር ምስንድኡ ተገሊፁ።
ብተወሳኺ ኣካል መሪሕ ትልሚ ልምዓት 10 ዓመት ዝኾነ ትልሚ ልምዓትን ኢንቨስትመንትንን ባጀት ፕሮግራምን 2016-2018 ብምጥዕዓም ዝተቐመጡ ሸቶታትን ኣንፈታትን ብመንፅር ምፍፃምን ክህልዉ ዝኽእሉ መጠን ሃፍቲ ኣብ ግምት ብምእታውን ዝተሰናድአ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።
ዝጀመሩ ስራሕቲ ልምዓት ምቕፃል፣ ልቓሕ መንግስቲ ጥዕና ዘለዎ ንክኸውን ምስ ኣለቃሕቲ ድርድር ሽግሽግ ዕዳ ምግባር፣ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ዘስዕቦ ፅዕንቶ ንምቕናስ ድጎማ ማሕበራዊ ወፃኢ ምቕፃል ዝብሉ ጠመተ ሂብካ ከምዝስርሑ ተገሊፁ።
እቲ ባጀት ምስ ባጀት 2017 ዓ.ም እንትነፃፀር ናይ 34 ነጥቢ 4 ሚኢታዊ ዕብየት ከምዘለዎ ተሓቢሩ።
ኣብ ባጀት ዓመት 2018 ዓ.ም 1 ነጥቢ 5 ትሪሊየን ኣታዊ ንምእካብ ትልሚ ተታሒዙ ኢዩ ተባሂሉ።
እቲ ባይቶ ኣብ ናይ ሎሚ መዓልቲ ጉባኤኡ ኣብቲ በጀት ብዕምቆት ድሕሪ ምዝታይን ዝተፈላለዩ ሕቶታትን ርኢቶታትን ድሕሪ ምቕራብን በጀት 2018 ዓ.ም ብር 1 ነጥቢ 93 ትሪሊየን ንክኸውን ውሳነ ቁፅሪ 1390/2017 ብሙሉእ ድምፂ ኣፅዲቑ።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook www.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!