ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘካየዶ 4ይ ዓመት ዘበን ስራሕ መበል 29 ስሩዕ ኣኼባ ኣርባዕተ ኣዋጃት ስምምዕነት ብምምርማር ኣፅዲቑ።
እቲ ባይቶ ፈለማ ዘፅደቖ ንልምዓት ካባቢን ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን መንግስተቲ ጣሊያንን ዝተገበረ ስምምዕነት ልቓሕ 11 ሚሊየን 500 ሺህ ዩሮ ኢዩ።
ንመደንፍዒ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ዓውዲ ትምህርቲ መፈፀሚ ፕሮግራም ትራንስፎርሜሽን መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ማሕበር ዓለም ለኸ ልምዓት ዝገበሮ ስምምዕነት ልቓሕ 50 ሚሊየን ዶላር ፀዲቑ።
ካብዚ ብተወሳኺ መጣየሺ ስምምዕነት ኮርፖሬሽን ፋይናንስ ኣፍሪካ ከምኡ እውን ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን መንግስቲ ኦስትሪያን ዝተፈረመ ስምምዕነት ትራንስፖርት ፀዲቑ።
ብፍቅርተ ከበደ