ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ውሳነ አሕሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘካየዶ መበል 52 ስሩዕ ኣኼባ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ብምዝታይ ውሳነ ኣሕሊፉ፡፡

እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ዘካየዶ ስሩዕ ኣኼባ ዘሕለፎም ውሳነታት እዞም ዝስዕቡ ከምዝኾኑ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣፍሊጡ።

  1. እቲ ቤት ምኽሪ ኣቀዲሙ ዝተዛተየ ኣዋጅ ጉምሩኽ እንደገና ንምምሕያሽ ኣብ ዝቐረበ ረቂቕ ኣዋጅ ኢዩ፡፡ ኣብ ስራሕ ዘሎ ኣዋጅ ጉምሩኽ ንብዙሓት ዓመታት ዘገልገለ ብምዃኑ፣ ድንጋገታት እቲ ኣዋጅ ዓለም ለኸ ምንቅስቓስ ንግዲ ምስ ዝበፅሖ ብርኪ ዕቤት ንምጥዕዓም፣ ኣብ ሃገርና እናዓበየ ዝመፅአ ልምዓት ማኑፋክቸሪንግ ኢንዱስትሪ ንምድጋፍ፣ ከምኡ እውን ሕጋዊ ንግዲን ኢንቨስትመንትን ንምብርትታዕ እቲ መመሓየሺ ኣዋጅ ተሰናዲኡ ቀሪቡ፡፡ እቲ ቤት ምኽሪ እውን ኣብቲ መመሓየሺ ኣዋጅ ብሰፊሑ ምስተዛተየ እታወታት ብምውሳኽ እቲ ኣዋጅ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንኽመሓላለፍ ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ፡፡
  2. ካብዚ ብምቕፃ ዝተዛተየ ንኢንቨስትመንት ብዛዕባ ዝወሃብ ታክስን ቀረፅን ንምብርትታዕ ኣብ ዝተሰናደአ ረቂቕ ደምቢ ኢዩ፡፡ እቲ ቤት ምኽሪ ኣብቲ ደምቢ ብሰፊሑ ምስተዛተየ እታወታት ብምውሳኽ፣ እቲ ደምቢ ኣብ ፌዴራል ነጋሪት ጋዜጣ ተሓቲሙ ካብ ዝወፅአሉ ዕለት ጀሚሩ ተግባራዊ ንኽግበር ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ፡፡
  3. ኣብ መወዳእታ እቲ ቤት ምኽሪ ዝተዛተየ ኣብ ረቂቕ ፖሊሲ ልምዓት ኢንተርፕረነርሽፕ ኢዩ፡፡እቲ ፖሊሲ ኣብ ዓውዲ ኢንተርፕረነርሽፕ ዝውገኑ ተግባራት ቀፃልነት ሃሊዩዎም ሃገራዊ ሸቶታት ልምዓት ንምዕዋት እጃሞም ንኽዋፅኡ፣ ባህሊ ፈጠራ ንምጉልባትን እታወታት ንምውሳኽን ዘኽእል ምቹው ስነ ምህዳር ኢንተርፕረነርሽፕ ንምህናፅ ተሰናዲኡ ቀሪቡ፡፡ እቲ ቤት ምኽሪ እውን ኣብቲ መመሓየሺ ኣዋጅ ብሰፊሑ ምስተዛተየ እታወታት ብምውሳኽ ብቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ካብ ዝፀደቐሉ ዕለት 12 ጥሪ 2018 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ስራሕ ንኽውዕል ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ፡፡

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment