ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መስከረም ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ብሄራዊ ግልጋሎት ዜግነት መናእሰይ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሕጊ ኮይኑ ንኽወፅእ ዝቐረበሉ ውሳነ ሓሳብ ኣፅዲቑ።
እቲ ቤት ምኽሪ 6ይ ዘበን ፓርላማ 3ይ ዓመት ቀዳማይ ስሩዕ ኣኼቡኡ ኣካይዱ፡፡
ኣብቲ ኣኼቡኡ ድማ ቀዋሚ ኮሚቴ መንነት፣ ምምሕዳርን ወሰንን ህንፀፅ ሰላም ሓዊሱ ሓሙሽተ ቀወምቲ ኮሚቴታት ትልሚ በጀት ዓመት 2016 ዓ.ምን ዝተፈላለዩ ውሳነታት ውሳነ ሓሳባት ኣፅዲቑ፡፡
እቶም ትልሚታ ድሕሪ ምፅዳቕ ድማ ሚኒስቴር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን “ብሄራዊ ግልጋሎት ዜግነት መናእሰይ” ሕጊ ኮይኑ ንኽወፅ ኣብ ዘቕረቦ ረቂቅ ኣዋጅ ተዛቲዩ ውሳኔ ኣመሓላሊፉ፡፡
ሚኒስትር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ኤርጎጌ ተስፋዬ (ዶ/ር)÷ ንምዕባለ ኢትዮጵያ መናእሰይ ዘለዎም ዕዙዝ ኣበርክቶ ብምግንዛብ ፀገማት ንምፍታሕን ተረባሕነቶም ንምዕባይ ፃዕሪ እናተገበረ ምዃኑ ገሊፀን፡፡
ኣብ ክሊ ዕድመ ካብ 18 ክሳብ 35 ዓመት ዝርከቡ መናእሰይ ድሌቶም ብሄራዊ ግልጋሎት ምሃብ ዝኽእሉሉ ማዕቐፍ ሕጊ ምስንዳእ ከምዘድለየ ኣብሪሀን፡፡
ኣባል እቲ ቤት ምኽሪ እንደሻው ጣሰው ብግደኦም÷ እቲ ረቂቅ ኣዋጅ ናይ ዘበናት ተናጠልን ዝተወደበም ሕቶ መናእሰይ ንምምካስ ዘኽል ሰነድ ከምዝኾ ሓቢሮም።
ኣባል ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ኣሻድሊ ሓሰንን ኣወል ጀማቶን÷ እቲ ረቂቕ ኣዋጅ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ እንትፀድቕን ተግባራዊ እንትኸውንን ዕዙዝ ሃገራዊ ረብሓ ከምዝህልዎ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com