ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ብስርዓት ምርጫ ህዝበ ውሳነ ንባዕሎም መሊሶም ሪፎርም ምስ ዝገበሩ መዳርግቲ ኣካላት ክልላት ይዝቲ ኣሎ።
ኣብቲ መድረኽ ዘተ፥ ምክትል ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ወ/ሮ ዘህራን ሁመድ፣ ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ሰላም ጌታ ቸሩ፣ ኣፈ ጉባኤታት ቤት ምኽሪ ኣርባዕቲአን ክልላትን ቤት ምኽሪ ብሄረሰብን ከምኡውን ኣካላት ፀፅታን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም።
ኣብ ውሽጢ ከም ብሓዱሽ ዝተወደባ ክልላት ኣብ መንጎ ዝነብሩ ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ጠንካራ ህብረ ብሄራዊ ሓድነት ምጉልባት ዝበል ዕላማ እቲ ዘተ ኢዩ ተባሂሉ።
ኣብ መንጎ ጎረባብቲ ክልላት ዘሎ ጠንካራ ዝምድና ንምጥንኻር ዝተጀመሩ ስራሕቲ ልምዓት ብተሳትፎ ህዝቢ ብዘላቕነት ንክቕፅሉ ዝዓለመ ምዃኑ እውን ተገሊፁ።
ብመቅደስ ኣስፋው
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!