ቤት ምኽሪ ፓርቲ ፓርቲ ብልፅግና ናይ መወዳእታ ፈተነ ታሪኻዊ ፀላእቲ ንመወዳእታ ግዘ ንምምካን ብቖራፅነት ንምውጋን ዘቐመጦም ሸውዓተ ጉዳያት፡-

  • ጎንፂ ከትርፉ ዝኽእሉ ሰላማዊ ኣማራፂታት ብኹሉ ኣንፈት ንምፍታንን ብሰላማዊ መገዲ ንምቅላስ ንዝወሰኑ ዕጡቓት ኣድላዪ ዘበለ ኩሉ ምግባር፤
  • ኣማራፂ ሰላም ብዘይምቕባል ኣብ ልዕሊ ህዝቢን ንብረት ሃገርን ፀግ ንምፍጣር ኣብ ልዕሊ ዝተልዓሉ ሓይሊታት ብዝተጠናኸረ መገዲ ሕጊ ንምኽባር፤
  • በቢብርኩ ዝለዓሉ ናይ ህዝቢ ሕቶታት ሰናይ ምምሕዳር፣ ፍትሒን ኢኮኖሚን ብመጠን ዓቕሚ ኢትዮጵያ በቢብርኩ ንምምላስ፤
  • ግቡእን ሓቀኛን ሓበሬታ በቢግዚኡ ንህዝቢ ንመሃብን ናይ ሕሶት ሓበሬታታት ንምቅላዕ፤
  • ኣብ በቢትካላት ተመዲቦም ጉድለት ዲሲፕሊን፣ ግዕዝይና በደል ምምሕዳርን ዘብፅሑ መራሕቲ ስራሕን ኣገልገልቲን ንምቅላስ፤
  • ኣብ ሕርሻ፣ ኣድረይቲ ኢንዱስትሪ፣ ቱሪዝም፣ መዓድን፣ ከምኡ እውን ኣብ ዓውዲ ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂ ዝጀመርናዮም ስራሕቲ ልምዓት ብዝበለፀ ዕዉታት ኣብ ምግባር ዝተጀመሩ ኢኒሼቲቫት ንውፅት ብምብቃዕ፤ ተሳትፎ ህዝቢ ብዘረጋገጠ መልክዑ ትራንስፎርሜሽን ከተማን ገፀርን ንምርግጋፅ፤
  • ኣብ ዓውዲ ዲፕሎማሲ ብሄራዊ ረብሓታት ኢትዮጵያ ብኹሉ መገዲ ንምኽባር፤
ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment