ቤት ፅሕፈት ቀዳማዊት እመቤት ኣብ ዞባ ጅማ ከተማ በሻሻ ዘህነፆ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ተመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ቤት ፅሕፈት ቀዳማዊት እመቤት ኣብ ዞባ ጅማ ከተማ በሻሻ ዘህነፆ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ሎሚ መዓልቲ ብምምራቕ ንኣገልግሎት ክፍቲ ገይሩ፡፡

ኣብ መርሃ ግብሪ እቲ ምርቓት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)፣ ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸውን ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ሽመልስ ኣብዲሳን ተረኺቦም።

ቤት ፅሕፈት ቀዳማዊት እመቤት እናተግበሮም ካብ ሞንጎ ዝርከቡ ዓበይቲ ፕሮጀክታት ፅሬት ዘለዎ ትምህርቲ ንኹሉ ተበፃሒ ምግባር ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

በዚ ድማ ንዝሓለፉ 5 ዓመታት ኣብ መላእ ክፋላት እዛ ሃገር 34 ካልኣ ብርኪ ኣቢያተ ትምህርቲ ሃኒፁ ልዕሊ 40 ሺሕ ዝኾኑ ተምሃሮ ኣብ ጥቐኦም ትምህርቲ ክረኽቡ ኣብ ምግባር ይርከብ፡፡

ቤት ፅሕፈት ቀዳማዊት እመቤት ነዚ ተግባር ኣጠናኺሩ ብምቕፃል ሎሚ መዓልተ መበል 35 ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ኣመሪቑ።

ኣቢያተ ትምህር ኣብ ቀረባ ኣብ ዘይርከቡዎም ቦታታት ዝተሃነፁ ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ ለውጢ ንምምፃእ፣ ብቑዕን ተወዳዳሪን ዜጋ ንምፍራይ፣ ወለዶ ብትምህርቲ ንምህናፅን ተበፃሕነት ትምህርቲ ንምርግጋፅን ዘለዎ ግደ ልዑል ከምዝኾነ እቲ ቤት ፅሕፈት ኣፍሊጡ።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook www.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment