ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ማሕበር ሓፈሻዊ ስራሕቲ ንግዲ ቤኣኤካ ብፈሳሲ ተፈጥሮ ጋዝ ዝሰርሓ ተሽከርከርቲ ናብ ውሽጢ ሃገር ንምእታው ዘኽእል ስምምዕነት ከቲሙ፡፡
ቤኣኤካ እቲ ስምምዕነት ምስ መቕረቢ መኪና ኩባንያ ቻይና ሻክማን ዝተፈራረመ እንትኸውን÷ እቲ ኩባንያ ብተፈጥሮ ጋዝ ዝሰርሓ መኻይን ንቤኣኤካ ከቕርብ ኢዩ፡፡
በዚ ድማ ቤኣኤካ ብፈሳሲ ተፈጥሮ ጋዝ ዝሰርሓ ተሽከርከርቲ ብምቕባል ናብ ውሽጢ ሃገር ከምዘእቱን ኣብ ቀረባ እዋን ድማ 150 ተሽከርከርቲ ከምዘእቱ ተገሊፁ።
ካብዚ ብተወሳኺ ቤኣኤካ ብፈሳሲ ተፈጥሮ ጋዝ ዝሰርሓ ተሽከርከርቲ ፋብሪካ መገጣጠሚ ምድላው ከምዝተዛዘመን ኣብ ቀዳማይ ዙር 1 ሺሕን 500 መኻይን ንምግጥጣም ከምዝተሓሰበ ኣብቲ እዋን ስምምዕነት ተሓቢሩ።
ብቅድስት ኣባተ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!