ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ብሃገር ቦቆል መፍትሒታት ፀገማት ንምፍታሕ ዝተጀመረ ፃዕሪ ተጠናከሩ ክቕፅል ኢዩ ክብሉ ብመዓርግ መክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል ምትሕብባር ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲን ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ኣይተ ኣደም ፋራህ ገሊፆም።
ብምግቢ ዓርስኻ ንምኽኣል ዝተኻየዱ ፃዕሪታትን ዝተረኸቡ ልምዲታትን ዝግምገመሉ መድረኽ ኣብ ከተማ ጅማ ይካየድ ኣሎ።
ኣይተ ኣደም ኣብ ዝገበርዎ መደረ፥ ኢትዮጵያ ዘለዋ መሬትን ሓይሊ ሰብን ኣጣሚራ ዘይምጥቃማ ንብዙሓት ዓማውቲ ንተሓጋዝነት ኣቃሊዑዋ ኢዩ ኢሎም።
ይኹን እንበር ኣብ ዝሓለፉ ዓማውቲ ሃገር ቦቆል ሪፎርምታትን መመሓየሺታትን ብምትግባር ብምግቢ ዓርስኻ ንምኽኣል ዝስራሕ ዘሎ ስራሕ ጭቡዕ ውፅኢት ከምዘምፀአ ተዛሪቦም።
ብተወሳኺ ኣተሓሳስባ ሽግግር ስርዓት ምግቢ ኢትዮጵያ ዘጋጥማ ዘሎ ሐልኽላኽ ፀገም ንምፍታሕ ርኡይ ግደ ከምዘለዎ ሓቢሮም።
ባህጊ ሰብኣዊ ደገፍ ብናይ ባዕልኻ ዓቕሚ ንምሽፋን ጠመተ ሂብካ ይስራሕ ከምዘሎ ኣብሪሆም።
ሚኒስትር ግብርና ግርማ አመንቴ (ዶ/ር) ብግደኦም፥ ኣብ ኢትዮጵያ ሰብ ማእኸል ዝገበሩ ስራሕቲ ምትግባር ዝለዓለ ውፅኢት ምምዝጋብ ምኽኣሉ ገሊፆም።
ብሌማት ትሩፋት ዝትግበር ዘሎ ስራሕ 26 ሚሊየን ዝነበረ ናይ ሓደ መዓልቲ ጫጩት ምክፍፋል ኣብ ዝሓለፉ 10 ኣዋርሕ ናብ 100 ሚሊየን ከምዝወሰኸ ተዛሪቦም።
ብሙክታር ጠሃ