ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሓላፊ ዘፈር ርክብ ህዝቢን ዓለም ለኸን ፓርቲ ብልፅግና ሚኒስትር ቢቂላ ሁሪሳ (ዶ/ር) ብሄራዊ ረብሓኣ ክትሕሉ ዘይትኽእ ሃገር ከም ሃገረ መንግስቲ ክትቅፅል ኣይትኽእልን ኢሎም፡፡
ቢቂላ ሁሪሳ (ዶ/ር) ምስ ፋና ፖድካስት ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ከምዝበሉዎ፥ ብሄራዊ ረብሓ ንሃገረ መንግስቲ ሓደ ወሳኒ ብርኪ ኢዩ፡፡
ብሄራዊ ረብሓ እንተዘይተኸቢሩ ሃገራዊ ክብሪ ከምዘይህሉ ብምሕባር፥ ጉዳይ በሪ ባሕሪ እውን ብመንፅር ሰላምን ድሕንነትን ሕቶ ብሄራዊ ረብሓ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡
ብሄራዊ ረብሓ ምኽባር ሃገር ሰላማን ድሕንነታን ንኽተረጋግፅ፣ ኢኮኖሚያዊ ሉኣላዊነታን ረብሓታታን ንኽኽበሩ ከምኡ እውን ሃገረ መንግስቱ ዝተረጋገአ ኮይኑ ንኽነብር ዘኽእል ስርዓት ናይ ምዝርጋሕ ጉዳይ ኢዩ ኢሎም፡፡
ኢትዮጵያውያን ብፖለቲካ ኣተሓሳስባ፣ ብርእዮተ ኣለም፣ ብኣመለኻኽታ፣ ብቅዋም ከምኡ እውን ብካልኦት መለክዒታት ኣፈላላይ ክህልዎም ከምዝኽእል ኣልዒሎም፡፡
ይኹን እምበር ምንም ዓይነት ኣፈላላይ የሃሉ ኣብ ጉዳይ ብሄራዊ ረብሓ ሓደ ብምዃን ረብሓታትና ብሓድነትን ብዝተሓባበረ መንፈስን ክነኽብር ኣለና ክብሉ ኣገንዚቦም፡፡
እዚ እንተዘይኮይኑ ግን ብሄራዊ ረብሓታትና አሕሊፍና ክንህብ ኢና፥ ከም ሃገር ንምቕፃል ንክንፅገም ኢና ኢሎም፡፡
ብብርሃኑ ኣበራ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!