ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስቴር ትምህርቲ ብሄራዊ ስትራቴጂ ትረስት ፈንድ ትምህርቲ ዕላዊ ገይሩ።
እቲ ሚኒስቴር ካብ ቢሮ ትምህርቲ ክልላት ምስ ዝተውፃእፅኡ መዳርግቲ ኣካላት ኣፈፃፅማ መደባት 6 ኣዋርሕ ገምጊሙ።
ኣብቲ መድረኽ ብሄራዊ ስትራቴጂ ትረስት ፈንድ ትምህርቲ ዕላዊ ገይሩ።
ሚኒስትር ዴኤታ ኣየለች እሸቴ÷ እቲ ስትራቴጂ ከም ሃገር ዝትግበር ዘሎ ጎስጓስ “ትምህርቲ ንትውልዲ” ብዝተወደበ መገዲ ንምቕፃል ተሓሳቢ ዝገበረ ኢዩ ኢለን።
ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ብመሰረት ዘፈልፈልዎ ሓሳብ ዝትግበር ዘሎ ጎስጓስ “ትምህርቲ ንትውልዲ” ኣብቲ ዓውዲ ብዙሓት ስራሕቲ ንምክያድ ዕድል ምፍጣሩ ገሊፀን።
ብሄራዊ ስትራቴጂ ትረስት ፈንድ ትምህርቲ ናብ ተግባር እንትኣቱ ዝምዝገብ ዘሎ ውፅኢት ንምምሕያሽ ከምዝሕግዝ ተዛሪበን።
ብይስማው ኣደራው
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታታት ንምርካብ
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!