ብሄራዊ ባንኪ ቀረብ ሸርፊ ወፃኢ ኣጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ኣብ ፍሰት ዓወዲ ሸርፊ ወፃኢ እናቐፀለ ስለዝኾነ ቀረብ ሸርፊ ወፃኢ ኣብ ሓዱሽ በጀት ዓመት እውን ተጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ ኢሉ።

ብሄራዊ ባንኪ ጨረታ ሸርፊ ወፃኢ ፅባሕ ከምዝካየድ ኣፍሊጡ።

እቲ ባንኪ ብዛዕባ እቲ ጨረታ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፤ ካብ ኣታዊ ሸርፊ ወፃኢ ክፋሉ ንባንኪታት ብጨረታ ምቕራቡ ኣብ ባንኪታት ዝህሉ ቀረብ ሸርፊ ወፃኢ ብምድጋፍ ምርግጋእ ዋጋን ሸርፊ ወፃኢን ንኽፍጠር ኣኽኢሉ ኢዩ ኢሉ።

ንፅባሕ ኣብ ዝግበር ጨረታ 150 ሚሊየን ዶላር ከምዘሰናደአ ዝሓበረ እቲ ባንኪ፤ ኣብቲ ጨረታ ዝሳተፉ ኣካላት ናይ ጨረታ ሰነዶም ካብ ንጉሆ ሰዓት 4 ክሳብ 6 ከእትዉ ከምዝኽእሉ ገሊፁ።

ውፅኢት ጨረታ ደደድማ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 9 ዕላዊ ከምዝኸውን ገሊፁ።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment