ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ብሄራዊ ባንኪ ብመሰረት ዝተመሓየሸ ኣዋጅ ባንኪ ንግዲ ንባንኪ ስታንዳርድ ተወካሊ ቢሮ ኣብ ኢትዮጵያ ሓዱሽ ፍቓድ ሂቡ።
እቲ ዝተውሃበ ፈቓድ ተወካሊ ቢሮ ናይ ወፃኢ ባንኪ፤ ኣብ ትሕቲ ቀጥታ ቁፅፅር ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ክኾኑ ብዝተደነገገ ዝተመሓየሸ ሕጊ መሰረት ብምግባር ኢዩ።
በዚ ድማ እቲ ባንኪ ቢሮታት ተወከልቲ ብሚኒስቴር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ዝተውሃቦም ፍቓድ ብምሕዳስ ሓዱሽ ፍቓድ ናይ መሃብ ስራሕ ጀሚሩ።
ኣብ ኢትዮጵያ ንነዊሕ እዋን ብውክልና ቢሮ ኣቢሉ ዝንቀሳቐስ ስታንዳርድ ባንክ ኣብቲ ሓዱሽ ማዕቐፍ ቁፅፅር መሰረት ብምግባር ካብ ብሄራዊ ባንኪ ፍቓድ ዝረኸበ ፈላማይ ናይ ወፃኢ ትካል ክኸውን ክኢሉ።
ፍቓድ ዝወሃቦም ናይ ውክልና ቢሮታት ንወፃኢ ባንኪ ማእኸላት ሓበሬታን ንግዲን ብምዃን ናይ ዕዳጋ መፅናዕቲታት ብምክያድ፣ ርክባት ንግዲ ብምህናፅን ብምፍላጥን ዘገልገሉ።
እዞም ናይ ውክልና ቢሮታት ኣብ ባንኪ ኣገልግሎት ይኹን ኣብ ኣገልግሎት ዝውውር ገንዘብ ዝሳተፉ ከምዘይኮኑ እቲ ባንኪ ንፋና ዲጅታል ኣብ ዝለኣኾ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።
ብዮናስ ጌትነት
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!