ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘካየዶ ፍሉይ ጨረታ ሸርፊ ወፃኢ ውፅኢት ዕላዊ ገይሩ።
ኣብቲ ጨረታ 30 ባንኪታት ዝተሳተፋ እንትኾና፥ ካብ ዝቐረበ 500 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ 445 ነጥቢ 29 ሚሊየን ዶላር ዝኸውን ዓዲገን፡፡
ኣብቲ ሸርፊ ወፃኢ ዋጋ ሓደ ዶላር ኣሜሪካ ብማእኸላይ 153 ነጥቢ 2503 ብር ኮይኑ ከምዝተመዝገበ ተገሊፁ፡፡
ብሄራዊ ባንኪ ኣቐዲሙ ብዘውፀኦ መርሃ ግብሪ መሰረት ተመሳሳሊ ጨረታታት ኣብ ቀፃሊ ከምዘካይድ ኣፍሊጡ፡፡