ብሄራዊ ቤተ መንግስትን ፓርክ ሓድነትን ተሓቢኦም ዝፀንሑ ቅርሲታት ዝገለፁ እዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ዓበይቲ ዓዲ ብሄራዊ ቤተ መንግስትን ፓርክ ሓድነትን ተሓቢኦም ዝፀንሑ ቅርሲታት ኢትዮጵያን መግለፂ መንነትን ብውቁብ ምስሊ ንዓለም ዝገለፁ እዮም ኢሎም፡፡

ኣቦታት ሃይማኖት፣ ዓበይቲ ዓዲን መራሕቲ ዓሌት ኣብ ፓርክ ሓድነትን ብሄራዊ ቤተ መንግስቲን ዑደት ኣካይዶም።

እቲ ዑደት ኣመልኪቶም ሪኢቶ ዝሃቡ ዓበይቲ ዓዲ÷ መንግስቲ ናይ ኢትዮጵያ ውቁብ ቅርስታትን ታሪኽን ንምሕዳስ ዘኹርዕ ስራሕ ከምዝሰርሐ ገሊፆም።

ሃገር ብዓበይቲ ዓዲ ንወለዶ ዝሳገሩ ስራሕቲ ልምዓት ምርኣዮም ብምሕባር÷ ፓርክ ሓድነትን ብሄራዊ ቤተ መንግስቲን መግለፂ ኩርዓት እዮም ኢሎም፡፡

ዝተሰርሑ ስራሕ ንዘመናት ተሓቢኦም ዝፀንሑ ቅርሲታትን ስልጣነ ኢትዮጵያን ታሪክን ኣጉሊሁ ንዓለም ዝገለፀ ምዃኑ ሓበን ከምዝስመዖም ገሊፆም፤ ባህልን ቅርስን ናይ ኩሎም ብሄራትን ብሄረሰባትን ኣብ ሓደ ዝሓዘ ምዃኑ ምልክት ሃገራዊ ሓድነት ከምዝገብሮም ሓቢሮም።

ምሕዳስ ብሄራዊ ቤተ መንግስቲ ኢትዮጵያ ታሪኽን ቅርስታትን ብግቡእ ሰኒዱ ምቕማጥ ዘኽአለ ከምኡ እውን እቲ ምሕዳስ ታሪኽን ቅርስታትን ብኸመይ ክዕቀብ ከም ዝኽእል ዘርኣየ ምዃኑ ኣብሪሆም።

እዚ ዕብየት ኢትዮጵያ ዕውት ኣብ ምግባር ዓብዩ ረብሓ ዘለዎ ስራሕቲ ሓለዋ ቅርሲን ልምዓትን ተጠናኺሩ ክቕፅል ከምዘለዎ ኣረዲኦም ክብል ኢዛ ፀብፂቡ።

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment