ብሄራዊ ኣገልግሎት ሓበሬታን ድሕንነትን ዝተፈላለዩ ኣገልግሎታት ዝህብ ፕላትፎርም ኮሙኒኬሽን ዕላዊ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ብሄራዊ ኣገልግሎት ድሕንነትን ሓሬታን ካብ ሕብረተሰብ ሓበሬታ ዝቕበለሉን ካልኦት ዝተፈላለዩ ኣገልግሎታት ዝህብን ፕላትፎርም ኮሙኒኬሽን ዕላዊ ገይሩ፡፡

እቲ ኣገልግሎት ንፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ኣብ ዝለኣኾ ሓበሬታ ከምዘመላኸቶ፤ ካብ ስሩዕ መርበብ ሓበሬታ ብብዙሕ ገፅታኡ ዝፍለ ፕላትፎርም ኮሙኒኬሽን ብናይ ውሽጢ ዓቕሚ ኣማዕቢሉ።

እቲ ፕላትፎርም ዜጋታት ኣብ ፀፅታ፣ ድሕንነትን ተተሓሓዝቲ ኣብ ዝኾኑ ጉዳያትን ኣብ ዝኾነ ቦታ ኮይኖም ሓበሬታ ዝህቡሉ ሪፖርት መግበሪ ክፍል ከምዘለዎ ገሊፁ።

ሃገራዊ ድሕንነት፣ ሓበሬታን ተተሓሓዝቲ ጉዳያትን ብዝምልከት እውን እዋናዊ ሓበሬታታት ከምዘካፍል ሓቢሩ።

እቲ ፕላትፎርም ኮሙኒኬሽን ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዘጋጥሙ ተቓላዕነት ስግኣት ዝተመልከቱ ቅድመ መጠንቀቕታ ሓበሬታታት ዝህብ ከምዝኾነ ተመልኪቱ።

በዚ ሰማ ሕብረተሰቡ ይኹን ናይ ወፃኢ ዜጋታት እቲ ሓበሬታ ብምጥቃም ኣብ ዝኾነ ይኹን ቦታ ምስ ዝገብሩዎ ምንቅስቓስ ዝተተሓሓዘ ጥንቃቐ ንኽገብሩ ኣብ ምሕጋዝ ልዑል ግደ ዘበርክት ኢዩ፡፡

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment