ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ልኡላውነት ሃገርን ሰላምን ድሕንነትን ህዝብን ብደሙ ዝሕሉ ብህዝባዊ ደገፍ ዝፀንዐ ናይ ሓቂ ፍቕርን መስዋእትነትን መርኣያ እዩ።
ብደሞምን ኣዕፅምቶምን ዓብዩ ዓወት ዓድዋ ካብ ዝተጎናፀፉ ኢትዮጵያውያን ዝተወለደ እቲ ሰራዊት ካብ ፍልልያት ብሄር፣ ሃይማኖትን ፖለቲካዊ ኣረኣእያን ነፃ ብምዃን እሙን ዘብዒ ሃገር ምዃኑ ብጅግንነት እናመስከረ ይርከብ።
ብመንፈስ ናፅነትን ዓወትን ዝተቐረፀ ብፍቕሪ ህዝቢ ዝተሃነፀ እዚ ዓብዩ ሰራዊት ንዘመናት ተሳጊሩ ክሳብ ሎሚ ዶባት ሃገር ዘኽብር ምልክት ጅግንነት ኮይኑ ቀፂሉ ኣሎ።
ጅግንነት ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣብ ወረቐት ዝተፀሓፈ ታሪኽ ጥራሕ ኣይኮነን፤ ኣብ ኣኽራናትን ጎላጉልን ኢትዮጵያ ብደምን ኣዕፅምትን ዝተቐርፀ ህያው ሓወልቲ ናፅነት እዩ።
መበገሲኡን መልዐሊኡን እቲ ሰራዊት ባዕሉ ህዝቢ እዩ፤ ዝቃለስ ድማ ንሰላምን ድሕንነትን ህዝቢ፣ ንሰንደቕ ዓላማኡ ንልኡላውነት ሃገሩን ሓድነት ግዝኣታን እዩ።
ካብ በረኸትን ፀሎትን ወለዲ፣ ካብ ብሩህ ተስፋ መፃኢ መንእሰያትን ምስ ፅንዓት ሃገርን ዘይፍለ ናይ ሓቂ ማሕተም ኢትዮጵያውነት እዩ።
ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ዘሕለፎም ፈተናታትን ወጥሪታትን፣ ንሓንቲ ህይወቶም ከይሰሰዑ ኣብ ጫካን ገደልን እናተዋግኡ ወገንተኝነቶም ንህዝቢ ብፅንዓት ዘረጋገፁ ስለዝኾኑ ህዝቢ ንሰራዊቱ ዝገብሮ ደገፍ ፈፂሙ ኣቕሊሉ ኣይፈልጥን።
ዓብዩ ሓይልን ዋልታን ንሓደ ሰራዊት ዘመናዊ ኣፅዋር ጥራሕ ዘይኮነስ ፍቕርን ደገፍን ህዝቢ ከምኡ’ውን ብርታዐን ደጀንነትን እዩ።
ሎሚ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ክልል ኣምሓራ ካብ ህፃናት ክሳብ ዓበይቲ ብብዝሒ ብምውፃእ ደገፎምን ጠጠው ምባሎምን ንሰራዊት ብወግዒ መስኪሮም እዮም።
ብተመሳሳሊ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ክልል ትግራይ እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ካብ መንኵብ ህዝቢ ትግራይ ንምውራድ ኣብ ዝተኻየደ መልክዕ ምኽባር ሕጊ ህዝቢ እቲ ክልል ናብ ኣደባባይ ብምውፃእ ምስ ሰራዊት ምክልኻል ዘለዎ ምሕዝነት ኣርእዩ እዩ።
ብመልካም ፈቃዱ