ብሓደጋ ምጥሓል ጀልባ ዝጠፍኡ ብኣማኢቲ ዝቑፀሩ ሰባት ንምድሓን ፃዕሪ ይግበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዶብ  ማሌዢያን ታይላንድን ብሓደጋ ምጥሓል ጀልባ ዝጠፍኡ ብኣማኢቲ ዝቑፀሩ ሰባት ንምድሓን ፃዕሪ ይግበር ኣሎ።

መበገሲኦም ካብ ማይናማር ከተማ ቡቲዳንግ ዝገበሩ ኣስታት 300 ሰባት ኣብቲ  ዶብ እንትበፅሑ ናብ ካልኦት ሰለስተ  ማእኸለዎት  ጀልባታት ንክኸዱ ከምዝተገበሩ በዓል መዚ ማሪታይም ማሌዥያ ኣፍሊጡ።

ካብ መንጎ እተን ጀልባታት ኣብታ ሓንቲ ብሰንኪ ዘጋጠመ ሓደጋ ምግልባጥ ክሳብ ሐዚ 10 ሰባት ብህይወት ዝተረኸቡ እንትኾኑ ሓደ ሰብ ህይወቱ ስኢኑ።

እተም ካልኦት ክልተ ጀልባታት ኣበይ ከምዘለዋ ኣይተፈለጠን።

ስለዝኾነ ብሓደጋ ምጥሓል ጀልባ ዝጠፍኡ ብኣማኢቲ ዝቑፀሩ ሰባት ንምድሓን ፃዕሪ ይግበር ኣሎ ተባሂሉ።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment