ብመንግስቲ ፓኪስታን ምስናጋና ዝቐረበሎም ኣምባሳደር ጀማል በከር (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ፓኪስታን ጀማል በከር (ዶ/ር) ርክብ ፓኪስታንን ኢትዮጵያን ንምጥንኻር ብዝገበርዎ ኣበርክቶ ብመንግስቲ ፓኪስታን ምስጋና ቀሪቡሎም።
ኣምባሳደር ጀማል በከር (ዶ/ር) ምስ ሓጋዚ ፕሬዚዳንት ፓኪስታን ሰይድ ዩሱፍ ራዛ ጊላኒ ብምርኻብ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ክልተኣውን ብዙሕነታውን ምትሕብባር ዘትዮም ።
ኣብ ሰላምን ድሕንነትን፣ ለውጢ ክሊማ፣ ኣቪዬሽን፣ ንግድን ኢንቨስትመንትን፣ ሳይንስን ቴክኖሎጅን፣ ከምኡ እውን ቱሪዝምን ባህልን ዝኣመሰሉ ዓውድታት ዘትዮም።
ሰኔት ፓኪስታን ን25 ግንቦት መዓልቲ ምሕዝነት ፓኪስታንን ኣፍሪካን ምዃኑ ምውሳኑ ዘፍለጡ ኣምባሳደር ጀማል (ዶ/ር)፤ እዞም ሓጋዚ ፕሬዚዳንት ዓቢ ኣበርክቶ ምዃኑ ገሊፆም፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Facebook FBC Tigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!
Comments (0)
Add Comment