ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ብምርመራ ኸቢድ ገበን ግዕዝይና ዝተፃረየሎም 11 ተጠርጠርቲ ክሲ ተመስሪቱሎም ኢሉ ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ።
ክሲ ዝተመስረተሎም ድማ፦
1 ተኸሳሲ ኣይተ ክፍሌ ወ/ማርያም ጋዎ ነበር ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ኮርፖሬሽን ስራሕቲ ግብርና ኢትዮጵያ
2 ተኸሳሲ ኣይተ ወልደአብ ደምሴ ክብረት ኣብ ኮርፖሬሽን ስራሕቲ ግብርና ኢትዮጵያ ምክትል ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ዓብዪ ዓውዲ ቀረብ እታዎትን ፍሪያትን ግብርናን ኣካቢ ኮሚቴ ዕድጊት ዘበናዊ ዱኽዒን ዝነበረ
3 ተኸሳሲ ኣይተ ተንሳይ ሜጫ ወ/ስላሴ ኣብ ኮርፖሬሽን ስራሕቲ ግብርና ኢትዮጵያ ምክትል ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ኣመራርሓ ዓውዲ ሃፍቲ ኮርፖሬትን ኣባል ኮሚቴ ዕድጊት ዘበናዊ ዱኽዒን ዝነበረ
4 ተኸሳሲ ወ/ሪት መንበረ ሃ/ማርያም ነጋሳ ኣብ ኮርፖሬሽን ስራሕቲ ግብርና ኢትዮጵያ ምክትል ዋና ኣፈፃሚት ስራሕ ዓውዲ ኮርፖሬት ፋይናንስን ኣባል ኮሚቴ ዕድጊት እቲ ኮርፖሬሽንን ዝነበረት
5 ተኸሳሲ ኣይተ ሚሊዮን ገረመው እሸቱ ኣብ ኮርፖሬሽን ስራሕቲ ግብርና ኢትዮጵያ ላዕለዋይ በዓል ሞያ ዕድጊትን ኣባልን ፀሓፊን ዕድጊት ዘበናዊ ዱኽዒን ዝነበረ
6 ተኸሳሲ ኣይተ ሰለሞን ገብሬ መላክ ኣብ ኮርፖሬሽን ስራሕቲ ግብርና ኢትዮጵያ ኣፈፃሚ ስራሕ ዓውዲ ቀረብ ምዕባይ ፍሪያት ግብርናን፣ ናይቲ ኮርፖሬት ኣባል ዕድጊት ዘበናዊ ዱኽዒ፣ ፀሓፊ ብሄራዊ ኮሚቴ ዕድጊት ዘበናዊ ዱኽዒን ዝነበረ
7 ተኸሳሲ ኣይተ መንግስቱ ተስፋ ላቀ ኣብ ሚኒስቴር ግብርና ኢትዮጵያ ኣፈፃሚ ስራሕ መራሒ ቀረብ እታዎት፣ ኣካቢ ቴክኒካል ኮሚቴ ብሄራዊ ኮሚቴ ዕድጊት ዘበናዊ ዱኽዒን ዝነበረ
8 ተኸሳሲ ኣይተ ዘላለም ዳኜ ሮሪሳ ኣብ ኮርፖሬሽን ስራሕቲ ግብርና ኢትዮጵያ ኣካያዲ ስራሕ ክፍሊ ዕድጊት እታዎታትን ትራንዚትን ዝነበረ
9 ተኸሳሲ ካፒቴን ወንድወሰን ካሳ ኣሰፋ ምክትል ኣፈፃሚ ስራሕ ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ባሕሪ ኢትዮጵያ ዝነበረ
10 ተኸሳሲ ኣይተ ፀጋዬ በርሀ ኪዳኑ ዳይሬክቶሬት ዳይሬክተር ትካል ምዘና ምስምዕማዕ ኢትዮጵያ ዝነበረ
11ኛ ተኸሳሲ ኣይተ ኣለባቸው ሞልቶት ዳኜ ኣብ ትካል ምዘና ምስምዕማዕ ኢትዮጵያ ሓላፊ ቅርንጫፍ ቤት ፅሕፈት ጂቡቲ ዝነበረ
ብተግባር ገበን ተጠርጢሮም ክሲ ዝተመስረተሎም እዞም ተኸሰስቲ ብሕድሕድ ዝተውሃቦም ስልጣን ብዘይኣግባብ ብምጥቃም ናይ ክልል መንግስታት ንኮርፖሬሽን ስራሕቲ ግብርና ኢትዮጵያ ዓለም ለኸ ዕድጊት ዘበናዊ ዱኽዒ ንክፍፅም ዝሃብዎ ውክልናን ውሳነታት ቦርድ ኣመራርሓ ስራሕ እቲ ኮርፖሬሽንን፣ መምርሒታት ዕድጊት፡ ውዕላትን ድንጋገታትን ብምጥሓስ ገበን ተጠርጢሮም ምርመራ ይግበር ከምዘሎ ገሊፁ።