ብሩህ ተስፋ መፃኢ ዝእመተሉ በዓል መስቀልን ዓጋመን

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)በዓል መስቀል ኣብ ኣብ መላእ ክልል ትግራይ ብዝተፈላለዩ ሃይማኖታዊ፣ ባህላዊን ያታዊን ትሕዝቶታት ዝኽበር በዓል ኢዩ።

እቲ በዓል ኣብ ዞባ ምብራቕ ብፍላይ ድማ ከባቢ ዓዲ-ግራት፣ ግሎመኸዳ፣ ጋንታኣፈሹም፣ ሱብሓ ሳዕስዕ፣ ፃዕዳ እንባ  ወዘተ ድማ  ፍልይ ብዝበለ ባህላዊ ስነ ስርዓት ይኽበር።

ወርሒ መስከረም ኣብ ድሮ በዓል ደመራ ዕለት 16 ኣብ ‘ቶም ከባቢታት ዓንዲ ሑቐ ባህላዊ ምግቢ ዓጋመ ዝኾነ ጥሕሎ ሓዊሱ ስነ ስርዓት ገዓት፣ ስነ ስርዓት ሶላን ግዕዝምን ዝበሉ ዓይነታት ምግቢ ይቐርቡ።

ይኹን አንበር ኣብቲ በዓል ንስጋን ጋዓት መስቀልን ዝወዳደር ግን የለን።

ኣጋ ምሸት ድማ ሽግ ብምሓዝ ስነ ስርዓት ምዕኳኽ፣ ሆያ ሆየ እናተብሃለ ሰናይ ትምኒት ይግለፅ፤ ባህላዊ ፀዋታታት ጓይላን ካሊእን እውን ይካየድ።

ስጋ ኣብ በዓል መስቀል ዓጋመ ብዝተፈላልየ መንገዲ ተሰናዲኡ ንምግብነት ይቐርብ።

ሶላ”፡- ሶላ ባህላዊ ምድላው ምግቢ ኮይኑ ብፍላይ ከዓ ኣብ ኢሮብ ፍልይ ብዝበለ መልክዑ ዝዳሎ እዩ።

ሶላ ንዝተሓረደ ጠለ በጊዕ ወይ ከዓ ጥሪት ንምብሳል ካብ ብርክት ዝበሉ ንዚ ምድላው ዝተመረፁ ኣእማን ብምኹማር ብዕንፀይቲ ክረስን ብምግባር ብዘይ ድስቲ ወይ ከዓ መቑሎ ሓፂን ነቲ ስጋ ምጥባስ ማለት እዩ።

ግዕዝም/ብቋንቋ ሳሆ-ግዕድም/፡- ብደቂ ተባዕቲዮ ጥራሕ ዝዳሎ ጥዑም ባህላዊ ምግቢ ኮይኑ ናይቲ ዝተሓረደ ጥሪት ቀይሕ ስጋ ብምምታር ናብ ካሽዐን መዓናጡን ኣእቲኻ ምብሳል ማለት እዩ።

ገዓት፦ ገዓት መስቀል ብዋናነት ደቂ ኣንስትዮ ናብ ስርዓት ዓኾኻይ ክኸዱ ምስ ዘይኽእሉ ኣረጋውያንን ህፃናትን ብሙዃን ተኣኻኺበን ኣብ ገዝአን ዘዳልወኦ ኢዩ።

ገዓት መስቀል ፍሉይ ዝገብሮ ድማ ኣብ ግራት ካብ ዘሎ ሓዱሽ እኽሊ ተዓፂዱን ተዘቢጡን ዝዳሎ እንትኸውን፥ እዚ ድማ ሓዱሽ ዓመት ብሓዱሽ መንፈስን ብሓዱሽ ህይወትን ንምጅማር ካብ ዘለዎ ትርጉም ዝብገስ ኢዩ።

ጥሕሎ፦ ጥሕሎ ኣዝዩ ዝተፈለጠን ብብዙሓት ዝበሃግን ባህላዊ ምግቢ ዞባ ምብራቕ ምዃኑ ይፍለጥ።

ጥሕሎ ስገም ተዘጊሑ(ብማይ ዝሁም)፣ ፀሓይ ዌቒዑዎ፣ ብሓዊ ኣብ መቑሎ ተቐሊዩ፣ ተፈፂሑ፣ ተጣሒኑ፣ ሕሩጭን ሓሰሩን ተነፊዩ ምስተፈለየ  እቲ ሕሩጭ ብማይ ዝሑል ተሰሪሑ(ተደርኲዑ) ብዘይ ሓዊ ብደቂ ኣንስቲዮ ተሰናዲኡ ዝቐርብ ባህላዊ ምግቢ ኢዩ።

ስለዝኾነ ከም ሓደ መዐቀኒ ውሕልልና ጓል ኣንስተይቲ እቲ ከባቢ ተገይሩ ይቑፀር፤ ኣዝዮም ክቡራን ንዝኾኑን ኣጋይሽን  ድማ ይቐርብ።

ምዕኳኽ፦ ስነ ስርዓ ምዕኳኽ ጥሪት ወይ ድማ እንስሳት ብሰላም ብጥዕና ናብ ሓዱሽ ዓመት ስለዝተሰጋገራ ንፈጣሪ ዝቐርብ ሃይማኖታውን ባህላውን ምስጋና ኮይኑ ሽግ ብምብራህ፣ ብሆያ ሆየን ብእንቢልታን ተሰንዩ ብኣቦታት ሃይማኖት፣ ዓበይቲ ዓዲን መናእሰይን ዝሳለጥ ምርኢት እዩ። እዚ እዋን

ዓኾኻይ ዓኾኻይ

ብርሀን ገዳይ ቁንጪ ውፃእ ትዃን እቶ

ሐምሊ ቁራዕ ውፃእ ገዓት ጠስሚ እቶ ዝባሀለሉ እዋን ‘ዩ።

እዚ ማለት፥ ንመፃኢ እዋን ብሩህ ተስፋ ክተማዕዱ ዝገብር ዘመነ ሕማቕ ተሰጊሩ ጥምየትን ድኽነትን ዝተስዓረሉ ፍርያት ፅጋብ ዘመላኽት ተስፋ መፃኢ ዝእምት ብሙዃኑ ፍሉይ ባህታ ይፈጥረልካ ።

እዚ ስነ ስርዓት ኣብ መብዛሕቲኡ ከባቢታት ትግራይ ዝቐርብ ኮይኑ፥ ብርክት ዝበላ ጥሪት ተኸቢበን ሽንፋእን ብመራሕቲ ሃይማኖት ዝተባረኸ ማይን ይንፀገለን።

ሓደ ማጉላ በጊዕ ድማ ንቲ ስነ ስርዓት ምዕኳኽ ንምድማቕ ብኣቦታት ሃይማኖት ተባሪኹ ኣብ ቅድሚ ተሳተፍቲ ይሕረድ፤ መናእሰይ ሻንቦ ሻንቦ ኢሎም እናወርወሩ ብዝባን እተን እንስሳት የሻግርዎ።

ብተወሳኺ ኣዴታት ዘዳለውኡ ጠስሚ ንኹሉ ሰብ ናብ ውሽጢ እዝኑ ብምልኻይ(ብምእታው) ዝግበር ስነ ስርዓት አወነ ኣካል እቲ ምዕኳኽ ኢዩ።

ብሓፈሻ ኣብቲ ምድላው ብመሰረት ባህሊ ዓጋመን ህዝቢ ኢሮብን ስነ ስርዓት ምዕኳኽ ጥሪትን ሰብን፣ ምስጋር ሽግ፣ ብደቂ ኣንስትዮ ዝዳሎ ስነ ስርዓት ገዓትን ጥሕሎን፣ ብደቂ ተባዕትዮ ዝዳሎ ስነ ስርዓት ግዕዝምን ሶላን፣ ሜስን ማሰን ዝኽበር ሃይማኖታዊን ባህላዊን በዓል ኢዩ።

በቢዓመቱ ብድምቀት ዝኽበር በዓል መስቀል ካብ ዘይድህሰሱ ጥንታዊ ሃይማኖታዊን ባህላዊን ሓድግታት ሓደ ኮይኑ፤ ብዝግባእ ኣብ ረብሓ ክውዕል ብምግባር “ኢንዱስትሪ ትኪ ኣልቦ” ተባሂሉ ዝፍለጥ ሃፍቲ ቱሪዝም ብምዃን ክደምቕ ዝግበኦ ጉዳይ ኢዩ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment