ብሪክስ ምትሕብባር ኢትዮጵያን ብራዚልን ንምጥንኻር ጥጡሕ ባይታ ፈጢሩ – ኣምባሳደር ልዑልሰገድ ታደሰ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ብማዕቀፍ ብሪክስ ዝተረኸበ ፅቡቕ ኣጋጣሚ ብምጥቃም ምስ ብራዚል ዘሎ ኢኮኖሚያዊን ንግዳውን ምትሕብባር ንምጥንኻር እናተሰርሐ እዩ ኢሎም ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ብራዚል ልዑልሰገድ ታደሰ፡፡
ኢትዮጵያን ብራዚልን ኣብ ንግዲ፣ ኢንቨስትመንት፣ ቱሪዝምን ስግግር ቴክኖሎጂን ዘለወን ምትሕብባር ንምጥንኻር ዝሕግዝ ካብ ክልቲኤን ሃገራት ዝተውፃእፅኡ ብዙሓት ኩባንያታት ፎረም ቢዝነስን ቱሪዝምን ኢትዮ-ብራዚል ካብ 16 መስከረም 2018 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ሳኦ ፓውሎ ክሳለጥ እዩ፡፡
ኣምባሳደር ልዑልሰገድ ፎረም ምስ ብሪክስ ኣባላትን መሓዙት ሃገራት ዘለዋ ኢኮኖሚያዊ ምትእስሳር ንምዕባይ ኣብ እትገብሮ ዘላ ፃዕሪ ዝሕግዝ ምዃኑ ብምሕባር÷ ምትሕብባር ደቡብን ደቡብን ንምጥንኻር እትገብሮ ፃዕሪ ኣብ ምድጋፍ እጃሙ ክዋፃእ እዩ ኢሎም፡፡
ኣብቲ ፎረም ኣብ ዓውዲ ሕርሻ፣ ኢንዱስትሪ፣ ማዓን፣ ቱሪዝምን ኢንፎርሜሽንን ቴክኖሎጂን ዝተዋፈሩ ሰብ ሃፍቲ ብራዚልን ኩባንያታትን ከምዝሳተፉ ብምሕባር ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook www.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment