ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ሪዮ ዲ ጄኒሮ ይካየድ ኣብ ዘሎ መበል 17 ጉባኤ መድረኽ ሰላም፣ ፀፅታን ዓለም ለኸ ኣመራርሓን ብሪክስ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ዕዉት ምትሕብባር ንምኽኣል ዝበለፀ ምትእምማን ክብ ዘብሉ ዓለም ለኸ ትካላት ናይ ምንባር ህፁፅነት ገሊፆም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዘካየድዎ መደረ፥ዓለም ለኸ ትካላት ገንዘብ ሓበራዊ ድሕንነትን ኩለ መዳይ ሓቛፊ መዕባለን ንምምፃእ ዝሕግዝ ኣወሃህባ ውሳነ ኣወዳድበኦም ምሉእነት ብዘለዎ መገዲ ዝመሓየሸሉ ኩነታት ኣፅንኦት ሂቦም ተዛሪቦም።
ኢትዮጵያ ብወግዒ ናብ ብሪክስ ዝተፀንበረትሉ ኣብ 2015 ዓ.ም እንትኸወን፥ ኢኮኖሚያዊ ሕውነት ጥራሕ እንተይኮነስ ፍትሓዊ ዝኾነ ማዕርነት ዝነግሰሉ ብዝሃ ዋልታዊ ዓለም ንምፍጣር ፃዕሪ ካብ ዝገብራ ሃገራት ብማዕረ በርኪ ዝተሳተፈትሉ ኣኼባ ኢዩ ኢሎም።
ኣብ ብሪክስ ዘለዋ ኣባልነት ኢትዮጵያ ነቶም ፃዕሪታት ነክዕወቱ ብፍላይ ኣብ ዓለም ለኸ ውሳበ ወሃብቲ መድረኻት ንሓደሽቲ ዕዳጋታትን ኣብ ምዕባይ ንዘለዋ ሃገራትን ሰፊሕ ውክልና ብዝርከበሉ ኩነታት ብንቕሓት ኣስተዋፅኦ ከምእትገብር ተዛሪቦም።
ጠቅላይ ሚኒስትር ዐቢይ የብሪክስን እያደገ የመጣ ተፅዕኖ ሲገልጹም የሚከተለውን ብለዋል።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ(ዶ/ር) ናይ ብሪክስ እናማዕበለ ዝመፅአ ፅዕንቶ አንትገልፁ ድማ፥ ብሪክስ ካብ ጠንካራ ሓዱሽ ሓሳብ ብምብጋስ ንዓለም ለኻዊ ለውጢ ዝሰርሕ ብርቱዕ ሓይሊ ናብ ምዃን ተሸጋጊሩ ኢዩ ኢሎም።
ሓደሽቲ ኣባላት ብምውሳኸን ሓበራዊ ድምፅታት ብዝበለፀ ክጠናኸሩ ኢዮም፤ ሓበራዊ ዕላማና አወን ብዝበለፀ ክፀሪ ኢዩ፤ ዓቕምና ክሰፍሕ ኢዩ ምባሎም ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ገሊፁ።