ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ብራኸ ኢትዮጵያ ምስ ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ዝተዛመደ ኢዩ ኢሎም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ።
እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መዓልቲ ሰራሕተኛታት ኣክሲዮን ማሕበር ትራንስፖርት ምድሪ ባቡር ኢትዮ ጂቡቲ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ባቡር ምድሪ ኢትዮ ጂቡቲ ውፅኢት ተዓዋትነት ኢዩ ኢሎም።
እቲ ምድሪ ባቡር ቀንዲ መተሓላለፊ መስመር ናይ ኢትዮጵያ ወፃኢን ኣታዊን ንግዲ ምዃኑ እወን ገሊፆም።
ነቲ መስመር ተኸቲለን ብዙሓት ከተማታት ምጥያሸንን ኣብ ታሪክ ኢትዮጵያ ወሳኒ ግደ እናተፃወተ ዝርከብ መሰረተ ልምዓት ከምዝኾነን ተዛሪቦም።
ኣወሃህባ ኣገልፍሎት እቲ ትካል ናይ ምቕያር ሪፎረም ኣብ ዝሓለፉ ሸውዓተ ዓማውቲ ለውጢ መንግስቲ ካብ መንጎ ዝወሰዶም ብዙሓት ስራሕቲ ሪፎርም ሓደ ከምዝኾነ ሓቢሮም።
ስለዝኾነ ብራኸ ኢትዮጵያ ምስ ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ዝተዛመደ ኢዩ ኢሎም ምክትል ጠቅላይ ሚኒስትር ተመስገን።
ብለይኩን ኣለም
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!