ብርሃን ኢትዮጵያ ካብ ናይሮቢ ክሳብ ጁባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ብርሃን ምብራቕ ኣፍሪካ እዩ።

ከም ሓበሬታ ኤሌክትሪክ ሓይሊ ኢትዮጵያ፤ ኣብ ዝሓለፈ በጀት ዓመት ኢትዮጵያ 9 ነጥቢ 73 ጊጋ ዋት ሓይሊ ኣፈልፊላ እያ።

ንጎረባብቲ ሃገራት ዝተረኸበ ካብ መሸጣ ኤሌክትሪክ ኣታዊ ድማ 475 ነጥቢ 7 ሚልዮን ዶላር በፂሑ፤ እዚ ድማ ምስ ዝሓለፈ ዓመት እንትነፃፀር 25 ሚኢታዊ ዕቤት የርኢ።

ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ድሌት ሓይሊ እናወሰኸ መፂኡ እዩ፤ ጎረባብቲ ሃገራት ድማ ንመፃኢ ኢኮኖሚአን ምስ መርበብ ዝሕደስ ሓይሊ ኢትዮጵያ ብሰፊሑ እናተኣሳሰራ ይርከባ።

እዚ ሓቂ ባዕሉ ነቲ ግድብ ካብ ሃገራዊ ፕሮጀክት መሰረተ ልምዓት ሓሊፉ ማእከል ዞባዊ ምትእስሳር ክኸውን ገይርዎ እዩ።

ኬንያ ሓይሊ ናይ ምግዛእ ድሌታ ብብርሃን ኢትዮጵያ እናመልአት ትርከብ፤ ደቡብ ሱዳን እውን ተወሳኺ ስምምዕ ዕድጊት ንምፍርራም ከም ዝወጠነት ገሊፃ እያ፤ ጅቡቲ እውን ብተመሳሳሊ ንዝፀንሐ ምትእስሳር ኤሌክትሪክ እናጠናኸረት ትርከብ።

ታንዛንያ ካብተን ካብ ኢትዮጵያ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዝገዝኣ ሃገራት ሓንቲ እያ።

ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ንዞባዊ ምትእስሳር ዘለዎ ትርጉም ዓሚቝ እዩ፤ እዚ ድማ ሩባ ኣባይ ካብ ዝጥቀማ ሃገራት ካብ ልውውጥ ንግዲ ሓሊፈን ኣብ ሓባራዊ መሰረተ ልምት ዝተመስረተ ምትእምማንን ምድግጋፍን ንኽሃንፃ ዝሕግዘን እዩ።

ሓይሊ ምፍራይን ምሻጥን ጥራሕ ዕላማ ዘይኮነስ፤ ንሓባራዊ ልምዓትን ብልፅግናን መሰረት እዩ፤ ኬንያ ነቲ ግድብ ከም መሰረት ምህናፅ ምትእምማንን ምትእስሳርን እያ ትርእዮ።

ፕሬዚዳንት ዊልያም ሩቶ ኣብ ምረቓ እቲ ግድብ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፤ “ኣፍሪካ ናይ ባዕላ ዓቕሚ ልምዓት መርኣያን ኣካል ራእይ ኣህጉራዊ ምትእስሳር ሓይሊን እዩ” ምባሎም ነዚ ዘጠናኽር እዩ።

ኣብ መደረ እቶም ፕሬዚዳንት ኣፅንኦት ከም ዝተውሃቦ፤ ምትእስሳር ሓይሊ ባዕሉ ንፖለቲካዊ ምትእምማን ዘጠናኽር መሳርሒ እናኾነ መፂኡ እዩ።

ደቡብ ሱዳን ካብ ኢትዮጵያ ዝመፅእ ኤሌክትሪክ ናብ ከተማታታ፣ መንደራታ፣ ኣብያተ ትምህርታታን ትካላት ጥዕናኣን ምብፅሑ ንዜጋታታ ሓደሽቲ ዕድላት ልምዓት ከም ዝፈጥር ገሊፃ እያ።

እዚ ድማ ዕቤት ኢትዮጵያ ከም ኣካል ምዕባለ ኩለን ሃገራት ዝረኣየሉ ሓዱሽ ዞባዊ ኣተሓሳስባ ዘመልክት እዩ።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር) ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት ብተደጋጋሚ ከም ዘብርሁዎ፤ ኢትዮጵያ ዞባዊ ምትሕብባር ማእኸል ፖሊሲ ጉዳያት ወፃኢ ገይራ ክትቅፅል እያ።

እቶም ሚኒስትር ኣብ ለንደን ቻተም ሃውስ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዘስምዑዎ መደረ፤ ጉዳይ ሩባ ኣባይ ኣብ ሉኣላውነት፣ ኣብ ርእሰ ዓቕሚ ምትእምማንን ኣብ ልዕሊ ካልኦት ጉድኣት እንተየብፅሑ ናይ ምልማዕ መሰል መምርሒ መሰረት ዝገበረ ምዃኑ ኣፀንኦት ሂቦምሉ እዮም።

«ልምዓት ከም ስግኣት ዝቖፅሩ ኣካይዳታት ኣይንቕበሎምን» እውን ኢሎም ነይሮም።

ኢትዮጵያ ኣብ ዞባ ኢጋድ ዘለዋ ስትራቴጂያዊ ሓላፍነት ኣጠናኺራ ከም እትወፅእ ኣብ ተፋሰስ ኣባይ ምስ ዝርከባ ሃገራት ብምትሕብባር እቲ ሩባ ንኹለን ተፋሰስ ሃገራት ፍልፍል ምዕባለን ምሕዝነትን ክኸውን ከም እትሰርሕ ቅዋማ ብተደጋጋሚ ኣርእያ እያ።

እዚ ቅዋም እዚ ድማ ምርግጋእ እቲ ዞባ ግዘ ካብ ዝሓለፎምን ንበይኖም ካብ ዝደልዩን ናይ ይግበአኒ ሕቶ ሓሊፉ ኣብ ምትሕብባርን ማዕረነትን ዝተመስረተ ክኸውን ከም ዘለዎ ዘርኢ እዩ።

ብኣፈወርቅ እያዩ

Comments (0)
Add Comment