ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ሶማሊያ ሱሌይማን ደደፎ ኣብ ድሮ ምረቓ ዝርከብ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ብርእሰ ዓቕሚ ዓበይቲ ፕሮጀክታት ጋህዲ ምግባር ከምዝከኣል ዘምህር ዓብዪ ፕሮጀክት ኢዩ ኢሎም።
ኣምባሳደር ሱሌይማን ምስ ዩኒቨርሳል ቲቪ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ከምዝበሉዎ፤ ግድብ ህዳሰ ንህዝቢታት እቲ ዞባ ብምትእስሳር ሓድነት እቲ ዞባ ዘጠናኽር እዩ።
እቲ ግድድ ኢትዮጵያውያን ድኽነት ብምውጋእ ዝሐሸ ናብራ ንምንባር ዝገብሩዎ ቃልሲ ዝሕግዝ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ራኢ እቲ ዞባ ጋህዲ ንምግባር መሰል ፕሮጀክታት ንምህናፅ መገዲ ዝኸፈተ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ከም ግድብ ህዳሴ ዝበሉ ዓበይቲ ፕሮጀክታት ጋህዲ ምግባር ከቢድ ይኹን እምበር ህዝቢን መንግስቲን ኢትዮጵያ ግን ብዝተሓባበረ ቅልፅም ኣዕዊቶምዎ ኢም ኢሎም።
ኢትዮጵያ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ሩባ ኣባይ ግድብ ንምህናፅ ዘኽእል ሓገዝ ንምርካብ ዝገበረቶ ፈተነ ብናይ ወፃኢ ሓይሊታት ዘይተገበአ ፅዕንቶን ወፍሪን እንተይሰመረ ምትራፉ ብምዝኽኻር፤ ኢትዮጵያ እቲ ግድብ ብርእሰ ዓቕሚ ንምህናፅ ዝበፅሐቶ ውሳነ ፍረ ኣፍሪዩ ኣሎ ክብሉ ኣብሪሆም።
እቲ ግድብ ተዛዚሙ ኣብ ድሮ ምረቓ ምብፅሑ ንኣፍሪካ ዓብዪ ዓወት ኢዩ ዝበሉ ኣምባሳደር ሱሌይማን፤ ብርእሰ ዓቕሚ ዓበይቲ ፕሮጀክታት ጋህዲ ምግባር ከምዝከኣል ዘምህር ዓብዪ ፕሮጀክት ከምዝኾነ ገሊፆም።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!