ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ሰብኣውነት ብተግባር እምበር ብቃላት ጥራይ ዝግለፅ ኣይኮነን። ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት እከይ ተግባራቱ ዝጅምር ብምምሳል እዩ።
ንህዝቢ ትግራይ ደው ይብል እየ ዝብል ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ብተግባር ዝረአ ዋላ ሓንቲ ቁሩብ ህዝባዊ ባህሪ ዘይብሉ መምሰሊ ጉጅለ እዩ።
ህዝቢ ትግራይ ብጥሜት፣ ድርቅን ሽግርን እናተሳቐየ ኣዴታት ብሰንኪ ኲናት ደቀን እንተስኣና፤ ተመዛበልቲ መደራደሪ መሳርሒ እናተገብሩ፤ ከምኡ’ውን መንእሰያትን ሰገናት ትምህርቶም ኣቋሪፆም ናብ ኲናት ብምእታው መቕተሊ ጥይት እናኾኑ፣ ማሕበረሰብ ዓለም እዚ እናረኣየ፣ እቲ ጉጅለ ንህዝቢ ትግራይ ደው ኢለ ኣለኹ ምባሉ ዘገርም እዩ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ብቋንቋ ትግርኛ ኣብ ዝገበርዎ ፃንሒት፣ ህዝቢ ኣብ ከቢድ ድርቂ እናሃለወ፣ ኣብቲ ክልል ኲናት ኣዊጆም፤ ኲናት ምእዋጅ ጥራይ ዘይኮነ፣ መንገዲ ዓፅዮም፣ መገዲ ኣየር ዓፅዮም፣ ነቲ ህዝቢ ንዳግማይ ስቓይ ዳሪጎምዎ እዮም ክብሉ ፀረ-ህዝባዊ ባህሪ ናይቲ ጉጅለ ኣብሪሆም።
ሰይጣን ከምስል የእዊ ከምዝበሃል ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት’ውን ብኣፉ ሰብኣዊ ንምምሳል ይፅዕር። ብዛዕባ ሰብኣዊ ክብሪ ይምህር ይጭድር፤ ብተግባር ግን ንሰብኣዊ ክብርን ህይወትን ዋላ ቁሩብ ኣይግደስን እዩ ክብሉ ኣብሪሆም።
እዚ ኩሉ ግፍዒ ዝፍፀም ዘሎ ክሓስበሉን ክቃለሰሉን እየ ዝብሎ ብስም ህዝቢ ትግራይ እዩ። ነቶም ወዶም ብሓይሊ ወሲዱ ናብ ኲናት ዝወሰደሎም ሰባት፣ ኣርባዓ ዘይኮነ ሰብዓ ዓመት ዝዕድሚኦም ኣረጋውያን እኳ ኣሲሩ ክሳብ ምስቓይ ዝበፅሐ ጨካን ጉጅለ ህወሓት፣ ህዝቢ ባህሪኡ ስለ ዝተረድኦ፣ “ይኣክል” ኢልዎ እዩ፡፡
ሕዚ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ንምምሳልን ብስም ህዝቢ ትግራይ ምንጋድን ግዜኡ ሓሊፉ እዩ። ህዝቢ ኣብ ኣደባባይ ወፂኡ ሰላሙ ኣዊጁ እዩ፤ ኣየር ሰላም እናተንፈሰ ይርከብ።
መንግስቲ ፌደራል’ውን እዚ ኩነታት ሰላም ንምጥንኻርን ተስፋ መንእሰያት ትግራይ ንምልምላምን፣ ኣብ ጎኒ ህዝቢ ብምስላፍ ብሓባር ይሰርሕ ኣሎ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ህዝቢ ትግራይ ናብ ምጥንኻር ሰላምን ልምዓትን ክዋፈር ብምፅዋዕ፣ “ህዝቢ ትግራይ፣ መራሕትኻ ናብ ምምራፅ፣ ናብ ሕርሻ፣ ናብ ልምዓት ማዕድንን ኢንዱስትሪን፣ ከምኡ’ውን ከተማታት ትግራይ ናብ ልምዓት ኮሪደር ክኣትዋ ይግባእ” ዝብል መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።
ብእመቤት ሲሳይ