ኣዲስ ኣበባ፣ ነሓሰ 28፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ብፍላይ ድማ ነበርቲ ከተማታት ጉዳይ መንበሪ ኣባይቲ ከም ፀገም የልዕሉ። እዚ ፀገም ድማ ካብ ሕፅረት ቀረብ ኣባይቲ ኣትሒዙ ክሳብ ዜጋታት ኣዝዩ ዝተጋነነ ክፍሊት ኪራይ ገዛ ንኽኸፍሉ ምግባር ዝበፅሕ እዩ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ሰነ 30፣ 2018 ዓ.ም ኣብ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ንእዚ ኣገዳሲ ሕቶ መንበሪ ኣባይቲ ዝምልከት ሓደ ብስራት ኣብሲሮም ነይሮም።
“ኣብ ዝቕፅሉ ዓመታት 1 ነጥቢ 5 ሚሊየን ኣባይቲ ክህነፁ እዮም። ነዚ ዝድለ ስርዓት ሞርጌጅ ክህነፅ እዩ” ኢሎም ነይሮም።
ካብቶም ሕፅረት ኣቕርቦት ገዛ ዝፈጠሩ ፀገማት ሓደ፣ እኹል ቀረብ ፋይናንስ ዘይምህላው እዩ። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ድማ ሎሚ ነዚ ፀገም ፍታሕ ዝህብ ጅማሮ ናብ ተግባር ከምዝተቐየረ ኣብሲሮም።
ሎሚ ዕላዊ ዝተገብረ ኣብ መንጎ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያን ዓለም ለኸ ኮርፖሬሽን ፋይናንስ (IFC)ን ዝተበፅሐ ስምምዕ፣ ኣብ ታሪኽ ፋይናንስ ሃገርና ዓብዪ ምዕራፍ ዝኸፍት ፍፃመ እዩ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ከምዝገለፅዎ፣ እዚ ስምምዕ ሃገርና ንፈለማ እዋን ፍሉይ ትካል መልሲ ምጥንኻር ልቓሕ መግዝኢ ገዛ ንኽተጣይሽ ዘኽእል ታሪኻዊ ምትሕብባር ማዕቀፍ እዩ።
እዚ ጉዳይ ካብ ቁፅርታት ብዝሓለፈ፤ ብሚሊየናት ዝቁፀሩ ኢትዮጵያውያን በዓል ዋና ናይ ምዃን ሕልሞም ንምዕዋት ዝተነብረ መሰረት ፖሊሲ እዩ።
እቲ ሓድሽ ትካል ብ100 ቢሊየን ብር ካፒታል ዝጣየሽ ኮይኑ፣ ዓለም ለኸ ኮርፖሬሽን ፋይናንስ ድማ ክሳብ 200 ሚሊየን ዶላር ዝበፅሕ ኣስተዋፅኦ ክገብር እዩ።
እዚ ትካል ብስልቲ መልሲ ምጥንኻር ዝሰርሕ ብምዃኑ፣ ባንክታት ንገዛእቲ ገዛ ዝህብዎ ናይ ነዊሕ ግዜ ልቓሕ ሙሉእ ብሙሉእ ካብ ተቐማጢ ገንዘቦም ኣብ ክንዲ ምሽፋን፣ ካብዚ ትካል ተወሳኺ ፍሰት ገንዘብ ንኽረኽቡ የኽእሎም እዩ።
እዚ መንገዲ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዓለም ብዓወት ዝተተግበረ ሞዴል እንትኾን፤ ንዕዳጋ ልቓሕ ገዛ ካብ ፀቕጢ ናይ ሓፂር ግዜ ተቐማጢ ገንዘብ ባንክታት ናፃ ብምግባር፣ ዘላቒ ስርዓት ፋይናንስ መንበሪ ገዛ ንኽፍጠር ይሕግዝ።
እቲ ስጉምቲ እንታይ ፀገም ይፈትሕ? ኢልና ንሕተት…
ክሳብ ሕዚ ኣብ ኢትዮጵያ በዓል ዋና ገዛ ምዃን ንብዙሓት ዜጋታት ርሑቕ ሕልሚ ኮይኑ ፀኒሑ እዩ። ቀንዲ ምኽንያቱ ድማ ውሱን ቀረብ ነዊሕ ግዜ ልቓሕን ውስንነት ልዑል መጠን ወለድን እዩ።
እዚ ሓድሽ ትካል ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ተበፃሒ ዝኾነ ፋይናንስ ልቓሕ ገዛ ብምቕራብ፣ ብፍላይ ኣብ ማእከላይ እቶት ዝርከቡ ዜጋታት፣ መንእሰያትን ሓደሽቲ ስድራቤት መስረትቲ ወለዶን ዓብዪ ዕድል ክፈጥር እዩ።
ብተወሳኺ 1 ነጥቢ 5 ሚሊየን ብተመጣጣኒ ዋጋ ዝህነፁ ኣባይቲ ንምቕራብ ዝተቐመጠ ዕላማ፣ ካብ ከተማታት ክሳብ ገጠራት ዘሎ ፀገም ሕፅረት መንበሪ ገዛ ርኡይ ምላሽ ክኸውን እዩ ተባሂሉ ትፅቢት ይገበር፡፡
እዚ ማለት ድማ ዜጋታት ካብ ላዕን ታሕቲን ኪራይ ወፂኦም፣ ናይ ባዕሎም መንበሪ ኣባይቲ ምርግጋዕ ማሕበራዊ ክብርን ናይ ምርካብ ዕድሎም ክሰፍሕ እዩ ማለት እዩ።
ብኣፈወርቅ እያዩ