ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ብባህሊ ስራሕ 24 ሰዓታት ለምዓት ኮሪደር ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ ኢለን ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ።
እተን ከንቲባ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየአን ከምዝገለፅኡ፥ ስራሕቲ ልምዓት ኮሪደር ሙሉእ ሰሙን ን24 ሰዓታት ፃዕሪ ዝገብሩ ዘለዉ ንጡፋት ሰራሕተኛታት መኣዲ ብምእንጋድ ኣተባቢዕና ኢለን።
ኣብታ ከተማ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኣብ ልምዓት ኮሪደር ዝሳተፉ ዘለዉ ሰራሕተኛታት ለይቲን ቀትሪን ይሰርሑ ኣለዉ ክብላ ገሊፀን።
ብመሰረት እዚ ስራሕቲ ልምዓት ኮሪደር ይሳለጥ ከምዘሎ ተዛሪበን።
እቶም ሰራሕተኛታት ብልዑል ስምዒት ፍቕሪ ሃገር ንኩለ መዳይ ዕብየት ኣዲስ ኣበባ በፍልጠቶምን ጉልበቶምን ንዘበርክትዎ ዘለዉ ኣስተዋፅኦ አመስጊነን።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታታት ንምርካብ
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!