ብባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝፀደቐ ፕሮጀክት ንምዝዛም ኣስታት 1 ነጥቢ 5 ትሪሊየን ብር የድሊ-ኣይተ ኣሕመድ ሺዴ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሺዴ ብባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝፀደቐ ፕሮጀክት ንምዝዛም ኣስታት 1 ነጥቢ 5 ትሪሊየን ብር የድሊ ኢሎም።

እቶም ሚኒስትር ኣብቲ ባይቶ ዝቐረበ ረቂቕ ባጀት 2018 ዓ.ም ጠሚቱ ካብ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንዝተልዓሉ ሕቶታት መብርሂ ሂቦም።

ኣብ መብርሂኦም፥ ሕቶታት ልምዓት ብዙሓት ምዃኖም ብምግላፅ ይኹን እንበር ኩሎም ሕቶታት ንምምላስ ዓቕሚ ከምዝሓትት ተዛሪቦም።

ኣብ ባጀት ዓመት 2018 ሓደሽቲ ፕሮጀክትታት ካብ ምጅማር እቶም ዝተጀመሩ ኣብ ምዝዛም ጠመተ ከምዝተገበረ ገሊፆም።

ሐዚ ብዘሎ ኩነታት እቲ ባይቶ ንዘፅደቖም ፕሮጀክትታት ንምዝዛም ኣስታት 1 ነጥቢ 5 ትሪሊየን ብር ከምዘድሊ ኣብሪሆም።

ብታሪኩ ለገሰ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment