ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣገልግት ባንኪ ደምን ህብረ ህዋስን ኢትዮጵያ ኣብ ባጀት ዓመት 2018 ናይ መጀመሪያ ብብሄራዊ ማሕበር ለገስቲ ደም መናእሰይ ኣዲስ ኣበባ ኣቢሉ ልዕሊ 26 ሺሕ ዩኒት ደም ተኣኪቡ ኢሉ።
እቲ ኣገልግሎት መርሃ ግብሪ ኣፍልጦን ምዝገባን ክረምታዊ መናእሰይ 2017 ዓ.ም ኣብ ከተማ ኣዳማ ኣካይዱ።
ኣብቲ መርሐ ግብሪናይቲ ኣገልግሎት ዋና ዳይሬክተር ዶክተር ኣሸናፊ ታዘበው÷ እቲ ማሕበር ለገስቲ ደም ብምጉስጓስ ንባዕልቶም ብቀዋምነት ደም ብምልጋስ ንዝገበርዎ እወንታዊ ተግባር አመስጊኖም።
እቶም ኣባላት ደም ናይ ምልጋስ ተግባሮም ንቐፃሊ እውን ኣጠናኺሮም ንክቕፅሉ ፃውዒት ኣመሓላሊፎም።
ብተሻለ ሻንቆ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!