ብቪዛ ናብ ኢትዮጵያ ዝኣትዉ ዜጋታት ወፃኢ ካብ ዝተውሃቦም ግዜ ገደብ እንተሕሊፎም መቕፃዕቲ የጋጥሞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ብቪዛ ናብ ኢትዮጵያ ዝኣትዉ ዜጋታት ወፃኢ ካብ ዝተውሃቦም ግዜ ገደብ እንተሕሊፎም መቕፃዕቲ የጋጥሞም እዩ ኢሉ፡፡

ውሃቢ ቃል እቲ ሚኒስቴር ኣምባሳደር ነብያት ጌታቸው ብዛዕባ ዓመታዊ ዲፕሎማስያዊን ሰሙናዊ ንጥፈታትን ፍፃመታት ኣመልኪቱ መግለፂ ሂቦም።

ኣብ መግለፂኦም ኣብ ዝቕፅሉ ሰሙናት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝካየዱ ዓለም ለኸ ጉባኤታት ብብቕዓት ንምትእንጋድ ምድላዋት ይግበር ኣሎ፡፡

ካልኣይ ጉባኤ ስርዓት ምግብን ሕርሻን ሕቡራት መንግስታት ካብ 20 ክሳብ 22 ሓምለ 2017 ከምኡ’ውን ክሳብ 25 ሺሕ ተሳተፍቲ ክተተኣናግድ ትፅቢት ዝግበረሉ ካልኣይ ጉባኤ ለውጢ ክሊማ ኣፍሪካ ኣብ ወርሒ ጳጉሜን ክካየድ ምዃኑ ሓቢሮም፡፡

ኢትዮጵያ ብሄራዊ ረብሓታታ ብዘሐለወ መልክዑ ንምትንጋድ ተሞክሮታት ንምክፋል ኣብ ምድላው ምዃና ተዛሪቦም፡፡

ናብ ኣሜሪካ ዝጉዓዙ ኢትዮጵያውያን ክኽተልዎ ዝግበኦም ጥንቃቐታት ብዝምልከት መልእኽቲ ዘመሓላለፉ እቶም ወሃቢ ቃል፤ ኩሎም ብናይ ትምህርትን ቱሪዝምን ቪዛ ናብ ኣሜሪካ ዝገሹ ኢትዮጵያውያን ካብቲ ዝተመደበሉ ግዜ ከይሓልፉ ኣገንዚቦም።

ብቪዛ ናብ ኢትዮጵያ ዝኣትዉ ዝኾነ ይኹን ዜጋታት ሃገር ካብ ዝተውሃቦም ግዜ እንተሓሊፎም መቕፃዕቲ ከምዝፅበዮም ዝገለፁ እቶም ኣምባሳደር ነብያት፤ እቲ መቕፃዕቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተወልዱ ናይ ኢትዮጵያ መንበሪ ካርድ ዘይብሎምን ትውልደ ኢትዮጵያውያን ዘጠቓልል እዩ ኢሎም።

ብኣሸናፊ ሽብሩ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

 

 

Comments (0)
Add Comment