ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ብተፈጥሮ ጋዝ ትሰርሕ ዝኾነት ትኹን ተሽከርካሪት ካብ ቀረፅ ናፃ ኮይነን ናብ ሃገር ንኸኣትዋ ተወሲኑ ኢሉ ሚኒስቴር ገንዘብ፡፡
እቲ ሚኒስቴር ንፋና ዲጂታል ከምዘፍለጦ÷ ኢትዮጵያ ልዑል መጠን ዘለዎ ክዙን ተፈጥሮ ጋዝ ዘለዋ ከምዝኾነት ይፈለጥ እምበር ንዘበናት ናይዚ ሃፍቲ ተጠቃሚት እንተይኮነፅ ፀኒሓ ኢያ፡፡
እዚ ኩነታ ንምልዋጥ መንግስቲ እናገበሮ ዝፀንሐ ልዑል ፃዕሪ ሰሚሩ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ከባቢ ካሉብ ዝርከብ ተፈጥሮ ጋዝ ኣብ ረብሓ ንምውዓል ዘኽእል ኢንዱስትሪ ተመሪቑ ተፈጥሮ ጋዝ ናይ ምፍራሕ ስራሕ ብዕሊ ተጀሚሩ።
እዚ ፍርያት ንዕዳጋ ውሽጢ ሃገር ብምቕራብ ቤንዚንን ናፍታን ዝጥቀማ ተሽከርከርቲ ተፈጥሮ ጋዝ ብዝጥቀማ ተሽከርከርቲ ምትካእ ኣድላዪ ከምዝኾነ ኣፅንኦት ሂቡ፡፡
ተፈጥሮ ጋዝ ዘፈልፍሎ በካሊ ኣየር ኣዚዩ ትሑት ዝኾነ፣ ንኣገልግሎት ዝተፈላለየ ፍልፍል ሓይሊ ልግሎት ክውዕል ዝኽእል፣ ኣብ ኣጠቓቕማ መዳይ ኣጠቓቕማ ሓይሊ ውፅኢታውነት ከምዘለዎ ዝገለፀ እቲ ሚኒስቴር፤ ተፈጥሮ ጋዝ ኣብ ኢትዮጵያ ዝፈሪ ብምዃኑ ንዕድጊት ነዳዲ ዝወፅእ ሸርፊ ወፃኢ ዘትርፍ ኢዩ።
ብምዃኑ ድማ መንግስቲ ኣጠቓቕማ ተፈጥሮ ጋዝ ንምብርትታዕ እዚ መምርሒ ካብ ዝወፅአሉ ዕለት ጀሚሩ ሙሉእ ብሙሉእ ብተፈጥሮ ትሰርሕ ዝኾነት ትኹን ናይ ደረቕ፣ ፅዕነት ፈሳሲን ህዝብ መመላለሲ ተሽከርከርቲን ካብ ጉምሩኽ ቀረፅ ናፃ ኮይኖም ናብ ሃገር ክኣትዉ ከምዝተፈቐደ ኣፍሊጡ፡፡
እዚ መምርሒ ቅድሚ ምውፅኡ ናብ ሃገር ክኣትዋ ካብ ዝተፈቐደለን ከምኡ እውን ኣብ ውሽጢ 6 ወርሒ ናብ ሃገር ዝኣተዋ እንተዘይኮይነን ብቤንዚንን ናፍታ ዝሰርሓ ናይ ፅዕነትን መመላለሲ ህዝቢን ተሽከርከርቲ ናብ ሃገር ከይኣትዋ ጥቡቕ ቁፅፅር ንኽግበር እውን ኣተሓሳሲቡ፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!