ኣዲስ ኣበባ፣ 21 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ክለብ ሰሜን ለንደን ቶተንሃም ጣሊያናዊ ኣሰልጣኒ ሮቤርቶ ዲዘርቢ ንምፍራም ድሌታ ኣለዋ።
ትማሊ ንኣሰልጣኒኣ ኢጎር ቱዶር ዘባረረት ቶተንሃም ሆትስፐር ሮቤርቶ ዲዘርቢ ብቀዋሚነት ጉጅለ ኣሰልጣኒኣ ገይራ ክትቀፅር ከምትደሊ ተሓቢሩ፡፡
ኢጎር ቱዶር ኣብ ሰሜን ለንደን ናይ 44 መዓልታት ድኹም ውፅኢት ብምግንዛብ ካብቲ ጉጅለ ምብራሮም ይፍለጥ፡፡
ዲዘርቢ ቶተንሃም ሆትስፐርስ ንክሕዝ ድሌት ዋላ ተሃለዎም እንተኾነ ግን እታ ክለብ ኣብቲ ሊግ ክትፀንሕ ከረጋግፅ ከምዝደሊ ቢቢሲ ስፖርት ፀብፂቡ።
ኣሰልጣኒ ሮቤርቶ ዲዘርቢ ክለብ ንፕሪሚየር ሊግ ብራይተን ሓዊሱ ኦሎምፒክ ደ ማርሴ፣ ፓሌርሞ፣ ሳሶሎን ሻካታር ዶኔስክን ዝኣመሰሉ ክለባት ኣሰልጢኖም፡፡
ብወንድማገኝ ፀጋዬ