ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣባላት ቤት ምኽሪ ውድብ ዴሞክራሲያዊ ስምረት ትግራይ (ስምረት)ብኣተሓሳስባን ብተግባርን ዘቑሰልናዮ ህዝቢ ክንክሕስ ኣለና ኢሎም።
እቲ ፓርቲ ኣብ ሻውዓይ ሃገራዊ መረፃ ንምስታፍ ኣድላዪ ምድላው እናገበረ ከምዝኾነ ገሊፆም።
ኣባል ቤት ምኽሪ ፓርቲ ስምረት ጠዓመ ዓረዶም ንፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ከምዝበሉዎ፤ እቲ ፓርቲ ሃገራዊን ዓለም ለኻዊን ነባራዊ ኩነታት ብምርዳእ ንክልል ትግራይ ዘድልዮ ለውጢ ምግባር ቀዳማይ ኣጀንዳኡ ኢዩ።
ካሊእ ክንፊ ህወሃት ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ተግባራዊ ከይኸውን ዝተፈላለዩ ተግባራት ብምግባሩ እቲ ፓርቲ ሕጋዊ ሰውነቱ ንኽስእን ኮይኑ ኢዩ ክብሉ እውን ኣልዒሎም።
ስምምዕነት ፕሪቶሪያ ዘይቕበሉ ሓይሊታት ከምዘለዉ ብምሕባር፤ ስምምዕነት ፕሪቶሪያን ተቐቢልካ ክፍፀም ብምግባር ረብሓ ትግራይ ክቕፅል ምግባር ከምዝግባእ ስምረት ፓርቲ እምነቱ ከምዝኾነ ኣመልኪቶም።
ናብ ፕሪቶሪያ ከይዶም ነቲ ስምምዕነት ዝፈረሙ ኣካላት ንትግራይ ኢሉ እውን ንመላእ ኢትዮጵያ ዝጠቅም ነገር ብምግባሮም ክምስሰገኑ ይግባእ እሎም።
ካሊእ ኣባል ቤት ምኽሪ ፓርቲ ስምረት ከላሊ ኣድሃና (ዶ/ር)፤ ብኣተሓሳስባን ብተግባርን ዘቑሰልናዮ ህዝቢ ክንክሕሶ ኣለና ክብሉ ሓቢሮም።
ምንቅስቐስ ዕጥቃዊ ቃልሲ ምንም ረብሓ ዘይብሉ ብምዃኑ ሰላማዊ መገዲ ምኽታል ብሕታዊ መፍትሒ ከምዝኾነ ኣብሪሆ።
ፓርቲ ስምረት 14 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም ኣብ ዘካየዶ መስራቲ ጉባኤ ንኣይተ ጌታቸው ረዳ ፕሬዚዳንት ብምግባር ምምራፁ ይዝከር።
ብሶስና ኣለማየሁ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!