ብኹሉ መዳይ ዓበይቲ ኢንዱስትሪታት ይፍጠሩ ኣለዉ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ብኹሉ መዳይ ዓበይቲ ኢንዱስትሪታት ይፍጠሩ ኣለዉ ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)፡፡

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር “ከተማ፣ ከተማነት፣ ምኽታምን ልምዓት ኮሪደርን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ምስ ቃና ቲቪ ኣብ ዝገበሩዎ ፃንሒት ኢዮም እዚ ዝገለፁ።

ኢንቨስተራት ናብ ሃገር ኣቲዮም ንኸፍርዩ ቅድሚ ሕዚ ዝነበረ ሓፈሻዊ ኣሰራርሓ ቢዝነስ ምቹው ከምዘይነበረ ብምሕባር÷ ኣብዚ ሕዚ እዋን እናተመሓየሸ ዝረኣዩ ለውጢታት እናተመዝገቡ ከምዝኾኑ ተዛሪቦም።

ቅድሚ ሒደት ዓመታት ኣብ ዓውዲ ኢንዱስትሪ ኣታዊ ወፃኢ ንግዲ ካብ 250 ሚሊየን ዶላር ኣየሓልፍን ነይሩ ብምባል÷ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኢንዱስትሪታት ካብ ንግዲ ወፃኢ ዝርከብ ኣታዊ እናምፅኡ ከምዝኾኑን እዚ ድማ ብቐሊሉ ዝመፅአ ከምዘይኮነን ኣብሪሆም።

ሓሙሽተ ሓይሊ ሶላር ናብ ስራሕ ኣቲዮም ፍርቆም ፍርያቶም ናብ ወፃኢ ዕዳጋ እናቕረቡ ይርከቡ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር÷ በዚ ድማ ካብ ሶላር ጥራሕ ኣብ ዝቕፅል ዓመት ናብ 1 ቢሊየን ዶላር ዝፅጋዕ ኣታዊ ክንረክብ ኢና ኢሎም።

ናፃ ዞባታት ንግዲ ከምዝተሃነፁ÷ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ፋብሪካታት ካእ ሓዱሽ እንተይወሰኸ ብሙሉእ ዓቕሞም እንተዘፍርዩ ሕዚ ዘሎ መፍረያይነት ዕፅፊ ከምዝኸውን ኣብሪሆም።

ብሶስና ኣለማየሁ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment