ብኽነት ነዳዲ ከይህሉ ኩሉ ዜጋ ሓላፍነቱ ክዋፃእ ይግባእ – በዓል መዚ ነዳዲን ኢነርጂን

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ብኽነት ፍርያት ነዳዲ ከይህሉ ኩሉ ዜጋ ሓላፍነቱ ክዋፃእ ይግባእ ኢሎም በዓል ዋና ዳይሬክተርመዚ ነዳዲን ኢነርጂን ደስታው መኳንንት (ዶ/ር)፡፡

እቶም ዳይሬክተር ምስ ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ኣብ ዝገበሩዎ ፃንሒት ከምዝበሉዎ÷ ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ዝተፈጠረ ቅልውላው ስዒቡ መንግስቲ ቀረብ ነዳዲ ከይይቋረፅ ብፍሉይ ኩነታት እናሰርሐ ይርከብ።

ዝተፈጠረ ፀገም መሰረት ብምግባር ምስ መዳርግቲ ኣካላት ኩለን ክልላት ከምኡ እውን ምስ ኣካላት ፀፅታ ብብርኪ ሃገር ክግበሩ ብዛዕባ ዝግበኦም ጥንቃቐታትን ስጉምቲታት ቁፅፅር ሓራዊ ኣንፈት ተቐሚጡ ኢሎም።

ኣብ ክልላት ብፍላይ ኣብ መከፋፈሊ ነዳዲ ዝግበሩ ናይ ክትትል ስራሕቲ ከምዝተጠናኸሩ ብምግላፅ÷ ሕድሕድ መዕደሊ ዝቐረበሎም ነዳዲ ብዝተቐመጠ ስርዓት ዕድጊት ጥራሕ ዕድጊት ንኽፍፅሙን ንህዝቢ መመላለስቲ ተሽከርከርቲ ቅድሚት ብመሃብ ንኸከፋፍሉን ኣተሓሳሲቦም።

ካብ ስሩዕ ታንከር መትሐዚ ነዳዲ ወፃእ ተወሳኺ ብምስራሕ ነዳዲ ብዘይተገበአ ንኽባኽን ኣብ ልዕሉ ዝገብሩ ኣካላትን ምንቅስቓስ ኮንትሮባንድ ምክልኻልን ብትኹረት ንኽሰርሑ ኣንፈት ከምዝተቐመጠ እውን ኣልዒሎም።

ብመሳፍንት እያዩ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment