ብዓይኒ ሕውነት ተረኣኢና ብምድማር ሓሳብ ዝማዕበለት ሃገር ንደቅና ነሕልፍ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ነንሕድሕድና ናይ ካሊእ ፅባቐ፣ ሕድ ሕድና ካብ ነንሕድሕድና ዘይንበልፀላ፣ ሓደና ልዕል ሓዴና ትሕት ዘይኮነስ ኩላትና ማዕረ እንኾነላ ብሕውነት ተረኣኢና ብምድማር ሓሳብ ዝማዕበለት ሃገር ንደቂና ነሳግር ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር)።

መበል 20 መዓልቲ ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን “ዲሞክራስያዊ ምርድዳእ ንህብረ ብሄራዊ ሓድነት” ብዝብል መሪሕ ቃል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ፌደራል፣ መራሕቲ ክልላት፣ ከንቲባታት ርእሰ ምምሕዳር ከተማታት ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ከተማ ሆሳእና ይኽበር ኣሎ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ብሕብሪ ቀለም ዝስኣል፣ ብሕብሪ ባህሊ ዝነብር፣ብሕብሪ ቋንቋ ዝዝረብ፣ብሕብሪ ደም ዝተሰርሐ፣ ብሕብሪ ረሃፅ ዝህነፅ ኢትዮጵያዊነትና ኢትዮጵያ ዝነበሩ፤ዝነበሩ፣ዘፅንዑን ዘይናወፁን እዮም ኢሎም፡፡

ብደም ኣቦታትና ዝወረስናዮ ናፅነት ብብልፅግና ምድልዳል ካብዚ ወለዶ ትፅቢት ዝግበረሉ ዕማም ከምዝኸውን ኣረዲኦም፡፡

ሎሚ ከተማታትና እናዕንበቡ መንደራት ገፀር ንምስጋር ላእሊን ታሕቲን እናበልና፣ ታሪኻዊ ቅርስታትና ድማ ሓመድ ኣራጊፍና ኩርዓት ኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኮነስ ናይ ኣፍሪካ ኩርዓት ምዃኑ የርእዩ ኣለዉ ኢሎም።

ኣብ ክረምትን ሓጋይን መሬት ብምሕራስ ካብ ፅግዕተኛነት ብምንጋፍ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ብፋላይ ኣብ ድማ ኣብ ሓረስቶት እናተግሁ ከምዘለው ተዛሪቦም፡፡

ተጀሚሩ ዘሎ ንምውዳእ ዘይተጀመረ ንምጅማር ኢትዮጵያ ንምጥንኻር ሓድነትና ብሓባር ደው ክንብል ከምዝግባእ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ብኣድማሱ ኣራጋው

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment