ብዘተ ዝተዀልዐ ዴሞክራሲ ምርድዳእ

ኣዲስ ኣበባ፣ ነሓሰ 24፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ከይዲ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ንነዊሕ ዓመታት መልሲ ከይረኸቡ ዝፀንሑ ሕቶታት ከም ዘለዉ ግልፂ እዩ። ብፍላይ ካብ ሕፅረት ፖለቲካዊ ኣሳታፍነት ዝተላዕለ፣ ብዙሓት ሓሳባቶምን ሕቶታቶምን ከይተሰምዑ ፀኒሖም እዮም።

እዚ ድማ “ኢትዮጵያ ንኹላትና ኣይሰምዓትናን” ዝብል መረረትን ቅርታን ክፈጥር ግድን ነይሩ።

ንኣብነት ናብ መኽፈቲ ዕለት ሃገራዊ ዘተ ንመለስ፤ ሙዶ ኣኮን ትዝክርዋ ዶ? ካብ ዞባ ደቡብ ኦሞ ናይ ማሕበረሰብ ካራ ወኪል ኮይና ኣብቲ ዘተ ዝተሳተፈት ሰበይቲ እያ።

ሙዶ ዓለም ብቀጥታ ፈነወ እናተኸታተሎ ኣብ ዝነበረ ስነ ስርዓት ሃገራዊ ዘተ ከምዚ ኢላ ነይራ፦ “ንብዙሕ ዘመናት ታሪኽ ካብ ርሑቕ ደው ኢልና ንዕዘብ ነይርና። ተዛረብትን ወሰንትን ካልኦት እዮም ነይሮም። ሎሚ ግን ሃገረይ ክዛረብ ፀዊዓትኒ።”

ብሓቂ ድማ ሃገራዊ ዘተ፣ ከም ሙዶ ሰማዕቲ ጥራይ ዝነበሩ ብዙሓት ዜጋታት ተዛረብቲ ብምግባር ተሰሚዖም እዩም። ንዘመናት ምኽንያት ባእስን ቂምን ኮይኖም ዝፀንሑ ፀገማት ክፍትሑ እውን በሪ ከፊቱ እዩ።

ዘይምርድዳእን ንሓድሕድካ ዘይምስማዕን ፈተና እዩ። ብመንገዲ ዘይምርድዳእ፣ ብዙሓት ወለዶታት ዝሃነፅዎ ተስፋ ንምፍራስ ካብ ሓደ ወርሒ ዝወሓደ ግዜ ክኣኽሎ ይኽእል።

ኣብ ኢትዮጵያ ኩለመዳያዊ ሰላም፣ ፖለቲካዊ ርግኣትን ሓባራዊ ሃገራዊ ዕብየትን ንምህናፅ ኣብ ዝግበር ነዊሕ ጉዕዞ ከይዲ ሃገራዊ ዘተ ታሪኻውን ስልታውን ምዕራፍ ኮይኑ ተመዝጊቡ እዩ።

ብፍላይ ዓወት እዚ ከይዲ መንግስቲ መደመር ዘልዓሎ “ዴሞክራሲ ምርድዳእ” ዝብል ፍልስፍና፣ ካብ ንድፈ ሓሳብ ሓሊፉ ብተግባር ዘረጋገፀ ዓብዩ መርኣያ ኮይኑ እዩ። ዋና ዓንዲ ኣተሓሳስባ መደመር ሃገራዊ ጉዳያት ብሓባራዊ ምርድዳእ፣ ብሓባራዊ ዋንነትን ብስልጡን መንገዲ ዘተን ምፍታሕ ምዃኑ ብተደጋጋሚ ተረጋጊፁ እዩ።

እቲ ታሪኻዊ ከይዲ ዘተ ውሑዳት ፖለቲካዊ ልሂቃን ጥራይ ዝተደራደርሉን ዝተሰማምዕሉን ካብ ላዕሊ ናብ ታሕቲ ዝወርድ ውሳነ ኣይነበረን። ብኣንፃሩ ብልሂቃን ጥራይ ዘይኮነ ካብ ኩሉ ማእዝናት ሃገር ዝመፁ ሓረስቶት፣ ኣቦታት ሃይማኖት፣ መንእሰያት፣ ደቂ ኣንስትዮን ሓፈሻዊ ማሕበረሰብን ብቀጥታ ዝተሳተፉሉ፣ ብዙሓት ድምፅታት ዝተሰምዑሉን ሓቋፊ ከይዲ ነይሩ።

ተሸላሚ ኖቤል ኣርተር ሊዊስ፣ “ብዙሕነት መንነት ኣብ ዘለወን ሃገራት ኩሉ እንተዘይተሰሚዑ ሓደጋ እዩ” ይብል። ንዚ ድማ እቲ ባህላውን ተዓዋቲ ኩሉ ዝወስደሉን ፖለቲካ፣ ኣብ ዝተኸፋፈላን ብዙሓት ብሄረሰባት ዘለወንን ሃገራት ኣብ ሓዊ ነዳዲ ከም ምውሳኽ ፅንፈኝነትን ምግላልን ክዕድም ከም ዝፀንሐ ዋቢ ይገብር።

ፍልስፍና መደመር ግን፣ “ኣነ ከይተሳዕርኩ ንስኻ እውን ከይተሳዕርካ ብሓባር ክንዕወት ንኽእል” ኣብ ዝብል ሓባራዊ ክብሪ ዝተመስረተ እዩ። እዚ ኣተሓሳስባ ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ኣብ ጉዳይ ሃገሩ ማዕረ ድምፅን ዋንነትን ክህልዎ ይገብር፤ ዝኾነ ዜጋ ካብ ጠረጴዛ ወፃኢ ከይተርፍ በሪ ይኸፍት። ከም ሙዶ ኣኮ ዝኣመሰሉ ዜጋታት እውን ኣብ ጉዳይ ሃገሮም ሰማዕቲ ጥራይ ዘይኮኑ፣ ወሰንትን ተዛረብትን ክኾኑ ይገብር።

መደመር ብሓይልን ፀቕጥን ካብ ምስዕዓር ብርግኣትን ብዘተን ሓባራዊ ያታ ምፍጣር የቕድም። ዝኣረገ ቂምን ጥርጣረን ብሓዊ ዘተ ክመክኽ ናይ ምግባር ከይዲ እውን ኣለዎ።

ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ፣ ዴሞክራሲ ምርድዳእ ንምርግጋፅ ዓብዩ መርኣያ ኮይኑ ኣብ ኢትዮጵያ ሓድሽ ምዕራፍ ከፊቱ እዩ።

መዛግብቲ ታሪኽ ከም ዘርእይዎ፣ ኣብ ኢትዪጵያ ቅድሚ ሕዚ ዝተኻየዱ ብዙሓት ፖለቲካዊ ምስግጋራት ናይ ውሑዳት ልሂቃን ድራማን ናይ ይምሰል ስምምዕን ብምዃኖም ዘላቒ ሰላም ከምፅኡ ኣይከኣሉን ነይሮም።

እቲ ናይ ሕዚ ዘተ ዝቐየሮ እዚ መንገዲ እዩ። ኣብቲ ከይዲ፣ ካብ ኣርባዕቲኡ ማእዝናት ሃገር ዝመፁ ዜጋታት፣ ሓረስቶት፣ ክኢላታት ኢደ ጥበብ፣ ኣባገዳታት፣ መራሕቲ ሃይማኖትን ሲቪካዊ ማሕበራትን ድምፂ፣ ካብ ገጠር ክሳብ ዋና ከተማ ሰሚዑ እዩ። ደቂ ኣንስትዮ፣ መንእሰያትን ጉድኣት ኣካል እውን ኣብቲ ዘተ ናይ ገዛእ ርእሶም ሕማም፣ ድሌትን ሓሳብ ፍታሕን ብነፃነት ኣቕሪቦም እዮም።

እዞም ዜጋታት ካብ ዝቐረቡ 400 ኣጀንዳታት ኣብ 396 ዝኾኑ ተሰማሚዖም እዮም። እዚ ድማ 99 ሚእታዊ ማለት እዩ።

ከይዲ ሃገራዊ ዘተ ዕዉት ምዃኑ ዴሞክራሲ ምርድዳእ ንምርግጋፅ ብዙሓት ዘላቒ ዓወታት ዘምፅእ እዩ። ኣብ መንጎ ህዝብን ትካላት መንግስትን ዝጠፍአ እምነት ዳግማይ ብምህናፅ ሕጋውነት የጠናኽር፤ ናይ መፃኢ ሕጋውን ስርዓታውን ምምሕያሻት እውን ድሌት ብዙሓት ዘካተቱ ክኾኑ መንገዲ ይፀርግ።

ልዕሊ ኩሉ ድማ፣ ምኽንያታት ጎንፂ ካብ ሱሮም ብምምርማርን ብምፍታሕን ንልምዓት ዝምችው ዘላቒ ሰላማዊ ኩነታት ይፈጥር።

ብኣፈወርቅ እያዩ

Comments (0)
Add Comment