ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ኢዮብ ተካልኝ (ዶ/ር) መንግስቲ ብዘሕጋዊ መገዲ ናይ ሓዋላ ገንዘብ ኣብ ልዕሊ ዘመሓላልፉ ትካላት ከቢድ ስጉምቲ ክወስድ ኢዩ ኢሎም፡፡
እቲ ባንኪ ኣብ ወፃኢ ሃገር ምስ ዝርከቡ ሓዋላ ዘመሓላለፍ ትካላትን ናይ ንግዲ ባንክታትን ብሓባር ንምስራሕ ኣብ ዝከኣለሎም ጉዳያትን ዝውሰዱ ሕጋዊ ስጉምቲታትን ጠሚቶም ተዛቲዮም።
ኢዮብ ተካልኝ (ዶ/ር) እቲ ዘተ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ÷ ሓዋላ ዘመሓላልፉ ትካላት ብሕጋዊ መገዲ ንኽሰርሒ,ሑ መንግስቲ ሓገዝ ኣብ ዝገብረሎም ጉዳያት ምኽክር ከምዝተገበረ ኣልዒሎም፡፡
መንግስቲ ኩሎም ናይ ሓዋላ ገንዘብ ዘመሓላለፍ ትካላት ናብ ሕጋዊ መገዲ ንኸኣትዉ ብተደጋጋሚ ዘቕረቦ ፃውዒት ዘይተቐበሉ ሓደሓደ ትካላት ከምዘለዉ ሓቢሮም፡፡
ብሄራዊ ባንኪ ኣብ ልዕሊ እዞም ዘይሕጋዊ ናይ ሓዋላ ገንዘብ ዘመሓላለፍ ትካላት ኣብ መፅናዕቲን ምንባብን ዝተመስረተ ጥንኩር ስጉምቲ ከምዝወስድ ኣጠንቂቖም።
ከም ሃገር ሃፍቲ ሸርፊ ወፃኢ ከምዘሎ ዘልዐሉ ኢዮብ ተካልኝ (ዶ/ር)÷ ብሄራዊ ባንኪ ብዘተኣማምን ኩነታት እዚ ሃፍቲ እናቕረበ ከምዝርከብ ኣብሪሆም፡፡
ብሚኪያስ ኣየለ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!