ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጳጉመን፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ብዙህነት ሕብረት ዘደልድል ሓይሊ ሰዓራይነት ኢዩ ኢሎም ሚኒስትር ሰላም ኣይተ መሓመድ እድሪስ።
“ብዙህነት ፅባቐ ኢትዮጵያ” ብዝብል መሪሕ ቃል ዝኽበር ዘሎ መዓልቲ ሕብረት ዝጠመተ ፓነል ዘተ ተኻይዱ።
እቶም ሚኒስትር ኣብቱ መድረኽ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ኢትዮጵያዊያን ጥንታዊን ልዑልን ታሪክ ዘለዋ ሃገርና ዝሃነፀቶም ክብሪታት ብምሕላው ናይ ብሄር፣ ሃይማኖት፣ ቋንቋን ባህሊን ኣፈላላያት አንተይዓቀቦም በቢዘበኑ ዝተፈጠሩ ፀገማት ብምፅዋር ዓወታት ተጎናፂፎም ኢዮም ኢሎም።
ሓበራዊ ዘኹርዕ ታሪክ፣ ሓበራዊ ሃፍቲታትና፣ ሓበራዊ ማሕበራዊ ክብሪታትና፣ ብደም ዝተዛመደ፣ ሓበራዊ ሃገራዊ ማንነትና ብሓባር ብምምዕባል ዕድላትና ኣብ ዓወት ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ብምሕዳስ ንቕድሚት ክንዘልል ይግባእ ክብሉ ገሊፆም።
ሚኒስትር ፍትሒ ሃና ኣርኣያ ስላሴ ብግደአን፥ ኩለ መዳያዊ ሃገራዊ ዓወታት ንምቕፃል በድሆታት ንምስጋር ሃገራዊ ያታ ምስራፅን ሓድነት ምድልዳልን ይግባእ ክብላ ተዛሪበን።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!