ብዝተሰሓሓተ ያታ ዝተሸረሸሩ ባህሊታት ንምጉልባት ይስራሕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ህብረ ብሄራዊ ሓድነትን ምርድዳእብ ብምፍጣር ብዝተሰሓሓተ ያታ እናተሸረሸሩ ዝመፅኡ ባህሊታትን ክብሪታትን ንምጉልባት ይስራሕ ኣሎ፡፡

ሚኒስቴር ሰላም ምስ ዩኒቨርሲቲ ወሎ ብምትሕብባር “ወለንታ ንሓድነት” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ንመበል 13 ግዘ ብስልጠና ብሄራዊ ኣገልግሎት ወለንታ ማሕበረሰብ ዘሰልጠኖም ወለንታውያን ኣመሪቑ፡፡

መናእይ ብብሄራዊ ኣገልግሎት ወለንታ ሰልጢኖም ሕብረተሰብ ንኸገልግሉ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ኣማኻሪ ሚንስትር ዴኤታ ሰላም ፍሬሰንበት ወልደትንሳኤ ገሊፆም፡፡

ህብረ ብሄራዊ ሓድነትን ምርድዳእን ብምፍጣር ብዝተሰሓሓተ ያታ እናተሸርሸሩ ዝመፅኡ ባህሊታትን ክብሪታትን ንምጉልባት እናተሰርሐ ከምዝኾነ ኣውን ኣብሪሆም፡፡

ፕሬዚዳንት እቲ ዩኒቨርሲቲ ኣወል ሰዒድ (ዶ/ር) ብግደኦም፤ ነቶም ወለንታውያን ብኸመይ ማሕበረሰብ ከገልግሉ ከምዝግባእ ካብ ምምሃር ሓሊፉ ኣብ ኢትዮጵያ ሓድነት፣ ሰላምን ልምዓትን ዝጠመተ ግንዛበ ከምዝፈጠሩ ኣልዒሎም።

ካብቲ ስልጠና ዝረኸቡዎ ፍልጠትን ክእልትን ብምጥቃም ሕብረተሰ ንምግልጋል ቆራፃት ከምዝኾኑ እቶም ተመረቕቲ ወለንታውያን መናእሰይ ኣረጋጊፆም፡፡

ብሰብለ ኣክሊሉ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment