ብዝኾነ ይኹን ኩነታት ዝፍነዉ ትንኮሳታት ዝምክት ሰራዊት ተሃፁ ኢዩ – ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ላዕለዋይ ኤታማዦር ሹም ሓይሊታት ጦር ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላብባሕሪ ይኹን ብምድሪ ዝፍነዉ ትንኮሳታት ዝምክት ሰራዊት ተሃኒፁ ኢዩ ኢሎም፡፡

ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዘቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ርክባተ ወፃኢን ሰላምን ፀብፃብ ኣፈፃፅማ 10 ኣዋርሕ በጀት ዓመት 2017 ሚኒስቴር ምክለኻል ገምጊሙ።

ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ÷ ሰራዊት ምክልኻል ሰላምን ድሕንነትን ምብራቕ ኣፍሪካ ብዘላቕነት ንምርግጋፅ ብትኹረት እናሰርሐ ይርከብ።

ኢትዮጵያ በሪ ባሕሪ ንኽተረክብ ምስ ሃገራት እቲ ዞባ ብሓባር ንምስራሕን ብሓባር ንምምዕባልን ዘይተሓለለ ፃዕሪ እናገበረት ከምትርከብ ኣልዒሎም፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ብባሕሪ ይኹን ብምድሪ ዝፍነዉ ትንኮሳታት ዝምክት ከምዝኾነ እውን ሉኣላዊነት ሃገር ዘኽብር ሰራዊት ከምዝተሃነፀ ኣገንዚቦም፡፡

ሚኒስትር ምክልኻል ኣይሻ መሓመድ (ኢ/ር) ብግደአን÷ ዓቕሚ ምፍፃም እቲ ትካል ብምጉልባት ሃገርን ህዝቢን ካብ ዝኾነ ይኹን መጥቃዕቲ ናይ ምክልኻል ስራሕ ብትኹረት እናተሰርሐ ይርከብ ኢለን፡፡

ተኣማንነት ዘለዎ ናፃን ዘይሻራዊን ወታደራዊ ናይ ፍትሒ ዳይነት እናተውሃበ ከምዝኾነ ብምሕባር÷ ዘተኣማምን ዓቕሚ ሎጂስቲክስ እቲ ሰራዊት ምምላእ ከምዝተኽኣለ እውን ተዛሪበን፡፡

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment