ብዝኾነ ይኹን ወፍሪ ብዘተኣማምን ብቕዓት ክዋፃእ ዝኽእል ጠንካራ ሰራዊት…

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ብሄራዊ ረብሓን ሉኣላውነትን ኢትዮጵያ ብምሕላው ዝኾነ ይኹን ወፍሪ ብዘተኣማምን ብቕዓት ክፍፅም ዝኽእል ጠንካራ ሰራዊት ተሃኒፁ ኢሎም ጀነራል መኮነናት ሰራዊት ምክልኻል።

ሓላፊ ዋና መምርሒ ኣመራርሓ ሃፍቲ ሰብ ሰራዊት ምክልኻል ሌተናል ጄነራል ኣጫሉ ሸለመ ሉኣላዊ ክብሪ፣ ሓድነትን ብሄራዊ ረብሓን ኢትዮጵያ ኣብ ኣመራርሃ ልህቀት ብዘተኣማምን ብርኪ ጠንካራ ሰራዊት ይህነፅ ኣሎ ኢሎም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ሰራዊት ምክልኻል ብዕጥቂ ዝተማልአ፣ዘተኣማምን ቅዋም ዘለዎ ጠንካራ ዘብዒ ሃገር ምህናፁ ሓቢሮም፡፡

ታሪኻዊ ፀላእቲ ኢትዮጵያ ዝሓስብዎ ግን ዝደኸመት ሃገር ክርእዩ ከምዝደልዮ ተዛሪቦም፡፡

ፀላእቲ ኢትዮጵያ ሰራዊት ምክልኻል ግብኦም ክፍፅሙ ከምዘይክእሉ ብምግባር ሽም ብምጥፋእ ድልየቶም ንምዕዋት ኣብ ሕልሚ ቀትሪ ከምዝርከቡ ሓቢሮም።

ሓድነትን ብሄራዊ ረብሓን ኢትዮጵያ ብዘተኣማምን መገዲ ዝሕሉ ጠንካራ ቅዋም ዝርከብ ዘብዒ ሃገር ምህናፁ ገሊፆም፡፡

ንኣብነት ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑፀሩ መንእሰያት ናብ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ተፀንቢሮም ልኡላዊ ሓድነት ሃገሮም ይሕልዉ ከምዘለዉ ኣሪሆም።

ሌተናል ጄነራል ኣጫሉ ሸለመ ንላዕለዎት መኮነናት ብ10 መስከረም 2018 ዓ.ም ዝተውሃበ ሹመት ቅድሚ ሕዚ ንዝተመዝገበ ዓወት ጥራሕ ዘይኾስ ተወሳኺ ግቡእ ልእኽቶ ምህላው ኣብ ግምት ዘእተወ ምዃኑ ሓቢሮም፡፡

ዳይሬክተር ርክብ ህዝቢ ሰራዊት ምክልኻል ብርጋዴር ጄነራል ጌትነት ኣዳነ ብግዲኦም፤ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብሄራዊ ረብሓን ድልየትን ምሕላው ዘኽእል ዓብዩ ትልምታት ልምዓት ምሓዙ ገሊፆም፡፡

ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ብኣንፃር ረብሓን ድልየትን ዝንቀሳቐሱ ሓይልታት ዓገብ ብምግዛእ ዝተመደበሎም ግቡእ ብኣድማዒ መገዲ ይፍፅሙ ከምዘለዉ ኣረዲኦም።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment