ብዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ኣገልግሎት ፍትሒ ዘሳልጡ ተግባራት ተጠናኺሮም ክቕፅሉ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ብዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ኣገልግሎት ፍትሒ ዘሳልጡ ተግባራት ተጠናኺሮም ክቕፅሉ ኢዮም ኢለን ሚኒስትር ፍትሒ ሃና ኣርኣያ ስላሴ።

እተን ሚኒስትር ኣብ መበል ሓምሻይ ዓመት ሻውዓ ስሩዕ ኣኼባ ባህቶ ወከልቲ ህዝቢ ብምርካብ ካብ ኣባላት እቲ ባይቶ ንዝተልዓሉ ሕቶታት ምላሽን መብርሂን ሂበን።

ኣብ ከይዲ ኣወሃህባ ኣገልግሎት ፍትሒ፡ ሓለዋ ሰብኣዊ መሰል ተሃነፅቲን ተጠርጠርቲን ሕቶታት ቀሪቦም።

ክብሪ ሰባት ዝነኽኡ ዘረባታት፣ መንበሪ ክንሰርሐልኩም ኢና ብዝብል ሃፍቲ ብዙሓት ዜጋታት ተቐቢሎም ዝስውሩ ውልቀ ሰባትን ትካላትን ዝግበር ቁፅፅርን ስጉምቲታት ሕጊን ዝጠመቱ ሕቶታት እውን ቀሪቦም።

እተን ሚኒስትር ነቶም ሕቶታት ኣብ ዝሃብኡ ምላሽን መብርሂን፥ ኣብ ኣብያተ ህንፀት ብመሰረት ዝተኻየደ ጠንካራ ሪፎርም መሰል ተሃነፅቲን ተጠርጠርቲን ምሕላው ዘኽእል መሰረተ ልምዓት ብምምላእ ዝለዓሉ ዝነበሩ ፀገማት ብመሰረታዊነቱ ምቕራፍ ከምዝተኽኣለ ተዛሪበን።

ሚኒስቴር ፍትሒ ስሉጥ ኣገልግሎት ንምሃብ ኣብ ክልላት ዘፈራትን ንኡስ ዘፈራትን ምኽፋቱ እውን ገሊፀን።

ስሉጥ ኣገልግሎት ፍትሒ ንምርካብ ዝተጀመሩ ስራሕቲ ብስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030  ተጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ ኣብሪሀን።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

 

Comments (0)
Add Comment