ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ብጎስጓስ ትምህርቲ ንትውልዲ ዝሰርሑ ተግባራት ኣፈፃፅመኦም 98 ሚኢታዊ በፂሑ ኢሉ ሚኒስቴር ትምህርቲ፡፡
ሃገር ለኸ መድረኽ ዘተ ዘፈር ልምዓት ትምህርቲ “ፍትሓዊን ፅሬት ዘለዎን ትምህርቲ ንኹሉ ዜጋ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ እናተኻየደ ይርከብ፡፡
ሚኒስትር ዴኤታ ትምህርቲ ኣየለች እሸቴ ከምዝበለኦ÷ ሃገር ለኸ ጎስጓስ ትምህርቲ ንትውልዲ መሰረተ ልምዓት ትምህርቲ ተበፃሒ ኣብ ምግባር ዝበረታታዕ ውፅኢት ኣምፂኡ፡፡
በቲ ጎስጓስ ዝተሰርሑ ተግባራት ኣፈፃፅመኦም 98 ሚኢታዊ ከምዝበፅሐ ብምሕባር÷ መርሃ ግብሪ ምግባ ተምሃሮ ተምሃሮ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ናይ ምትራፍ ምጣነ ኣብ ከምዘመሓየሸ ተዛሪበን፡፡
ብነገዎ ብዙነህ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!