ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ብሕልፈት ተቀዳሚ ሙፍቲ ሓጂ ዑመር ኢድሪስ ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ብሕልፈት ተቀዳሚ ሙፍቲ ሓጂ ዑመር ኢድሪስ ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊፆም።

ብፁእነቶም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ መግለፂ ሓዘን÷ “ኢትዮጵያ ብኣፃብዕቲ ካብ ዝቑፀሩ ኣረጋውያን፣ መዓር ኣፍ ካብ ዝኾኑ መኸርታ ሓደ ዝኾኑ ተፈታዊ ገይፂ ዘበንና ዝኾኑ ኣቦ ስኢና” ኢሎም፡፡

እግዚኣብሄር በቢእዋኑ ሃገር ብዘይ መኻሪ፣ ንህዝቢ ብዘይ ዘካሪ ኣይሓድግን ዝበሉ ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ÷ ነዚ ምስክር ድማ ዓብዪ ኣረጋዊ፣ ወናኒ በሱል ኣእምሮ፣ ሃገር ዝፈትዉ፣ ህዝቦም ዘኽብሩ፣ ንዝተጠቕዑ ዝፈትዉ፣ ናይ ትውልድ ኣቦ ዝኾኑ ተቀዳሚ ሙፍቲ ሓጂ ዑመር ኢድሪስ ነይሮም ኢሎም፡፡

እዚ ናይ ዓለም ድኻም ምግልጋል ነዐኦም ዕረፍቲ ይኹን እምበር ንሃገር ግን ልዑል ጉድኣት ካብ ምዃኑ ንላዕሊ፤ ዕድመ ምስ ጥበብ ዘዋሃዱ ኩሉ ግዘ ኣይርከቡን እሞ ሓዘንና መሪር ኢዩ ክብሉ ገሊፆም፡፡

ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ንስድረኦም፣ ንተኸተልቲ እምነት እስልምናን ንመላእ ህዝቢ ኢትዮጵያን ፅንዓት ተመኒዮም።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment