ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሊቀጳጳሳት ካቶሊክ ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ ብፁዕ ካርዲናል ብርሃነ ኢየሱስ በዓል ልደት ምኽኒያት ብምግባር ናይ እንቋዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።
ብፁዕ ካርዲናል ብርሃነ ኢየሱስ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ በዓል ልደት ናይ ኩሉ መሰረት ዝኾነ ጎይታና መድሓኒትና እየሱስ ክርስቶስ ምውላዱን ኣብ መንጎና እውን ምሕዳሩን ኢዩ ኢሎም።
በዓል ልደት እንትነኽብር ብዛዕባ ደቂ ሰባት ክብሪ እንሰርሐሉ፣ ህዝብታት ዝከባበርሉ፣ ዝፋቐርሉን ዝተሓሳሰብሉን ክኸውን ይግባእ ክብሉ እውን ገሊፆም።
ብዝተፈላለዩ ምኽኒያታት ካብ መረበቶም ብዛዕባ ዝረሓቑ ብምፅላይ፣ ዓቕሚ ንዘይብሎም፣ ሕሙማን፣ ኣብ ጎደናታት ንዘለዉ ወገናትን ዘለና ብምሀብን ብምክፋልን እቲ በዓል ምኽባር ከምዝግባእ ናይ ሓደራ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።
ብቅድስት ተስፋዬ