ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣርሰናል ቪክተር ጎከሬሽ ምስ ስፖርቲንግ ንምፍራም ኣብ ስምምዕ ምብፅሑ ስዒቡ ተፃዋቲ ነቲ ዝውውር ንምዝዛም ፅባሕ ናብ ለንደን ከምዝኸይድ ተገሊፁ።
ኣርሰናል ንወዲ 27 ዓመት ስዊድናዊ ኣጥቃዓይ 55 ነጥቢ 1 ሚሊየን ፓውንድን ብቕዓትን እናተረኣየ ዝውሰኽ 8 ነጥቢ 7 ሚሊየን ፓውንድ ክኸፍል እዩ።
እዚ ተፃዋታይ እቲ ውዕል ስዒቡ ድሕሪ ምዝዛሙ ኣብ ሲንጋፖር ኣብ ውድድር ዘበን ቅድመ ምድላው ዝርከብ ኣብ ኣኼባ ሚኬል ኣርቴታ ብዕሊ ከምዝፅንበር ስካይ ስፖርት ፀብፂቡ።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook www.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!