ቪክተር ጎከሬሽ ዝውውር ኣርሰናል ንምዝዛም ናብ ለንደን ክኸይድ እዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣርሰናል ቪክተር ጎከሬሽ ምስ ስፖርቲንግ ንምፍራም ኣብ ስምምዕ ምብፅሑ ስዒቡ ተፃዋቲ ነቲ ዝውውር ንምዝዛም ፅባሕ ናብ ለንደን ከምዝኸይድ ተገሊፁ።

ኣርሰናል ንወዲ 27 ዓመት ስዊድናዊ ኣጥቃዓይ 55 ነጥቢ 1 ሚሊየን ፓውንድን ብቕዓትን እናተረኣየ ዝውሰኽ 8 ነጥቢ 7 ሚሊየን ፓውንድ ክኸፍል እዩ።

እዚ ተፃዋታይ እቲ ውዕል ስዒቡ ድሕሪ ምዝዛሙ ኣብ ሲንጋፖር ኣብ ውድድር ዘበን ቅድመ ምድላው ዝርከብ ኣብ ኣኼባ ሚኬል ኣርቴታ ብዕሊ ከምዝፅንበር ስካይ ስፖርት ፀብፂቡ።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook www.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

Comments (0)
Add Comment