ቫይረስ ማርበርግ ንምቁፅፃር ዘኽእል ዝተዋደደ ስራሕ ይስራሕ ኣሎ – ኣይተ ጥላሁን ከበደ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ቫይረስ ማርበርግ ንምቁፅፃር ዘኽእል ዝተዋደደ ስራሕ ምስ ሚኒስቴር ጥዕና ይስራሕ ኣሎ  ኢሎም ርእሰ ምምሕዳር ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ኣይተ ጥላሁን ከበደ።

እቶም ርእሰ ምምሕዳርን ሚኒስትር ጥዕና ዶ/ር መቕደስ ዳባ ኣብ ሆስፒታል ጂንካ ተረኺቦም ቫይረስ ማርበርግ ናይ ምክልኻልን ምቁፅፃርን ስራሕቲ ተዓዚቦም።

ኣይተ ጥላሁን ኣብ ዝሃብዎ ሓሳብ፥ ምልባዕ እቲ ቫይረስ ንምቁፅፃርን ተወሳኺ ጉድኣት ንከየብፅሕ ንምክልኻልን ስሉጥ ምላሽ መውሃቢ ማእኸል ኣብ ጂንካ ተጣይሹ ኢዩ ኢሎም።

ብመሰረት እዚ ዝተዋደደ ህፁፅ ምላሽ ይወሃብ ኣሎ ኢሎም።

ሚኒስቴር ጥዕና ምስ መንግስቲ እቲ ክልል ብቕርበት ይሰርሕ ከምዘሎ እውን ተዛሪቦም።

እቲ ሚኒስቴር ነቲ ሕማም ብምምርማር ንምፍላይ ዘኽእል ልዑል ናይ ምምርማር ዓቕሚ ዘለዎ ተንቀሳቓሲ ላቦራቶሪ ሓዊሱ ኣድላዪ ደገፍ ናውቲ ከምዝገበረ ተዛሪቦም።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment